ወዱ ንሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ስድራቤት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ይሓቱ

ወዱ ንሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ስድራቤት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ይሓቱ

Radio Erena: 18 April 2016

Ye

ወዱ ንሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ስድራቤት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ምሕታት ይቕጽሉ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ሰበ ስልጣን፣ መራሕቲን ካድራትን ህግደፍ ከምኡ ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ንህዝቢ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሰሚናራት፣ ኤርትራ ብኩለንትናዊ መዳይ ውሕስነታ እትረጋግጽ ዘላ ሃገር’ያ ክብሉ ይስምዑ እኳ እንተለዉ፣ በንጻር እዚ ግና ኣባላት ስድራቤቶም ብሕክምናን ካልእ ምኽንያታትን ናብ ወጻኢ ሃገራት እናለኣኹ ዑቕባ ከምዝሓቱ ይግበሩ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ መንእሰያት ናይ መጻኢ ተስፋ የጸልምት ብምህላዉ መንእሰያት ክስደዱ ይግደዱ ብምህላዎም፣ ካብ ህዝቢን ማሕበረ ሰብ ዓለም ተሪር ተቓውሞታት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን ከኣ፣ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማን ገብረመስቀል ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ፣ ሃገራዊ ኣገልግልት ናይ ግዜ ገደብ ከምዘይግበረሉን፣ ኣብ ክንድኡ ደሞዝ ኣባላታ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትዕርራይ ክግበረሉ ምዃኑን’ዮም ዝግለጹ።

ይኹን’ምበር ሓያሎ ካብዞም ሰበ ስልጣናት ንደቆምን ኣባላት ስድራቤታቶም ካብ ኤርትራ ከውጽኡ’ዮም ዝርኣዩ።

ከም ናይ ቀረባ ኣብነት ከኣ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብ በራኺ ዝተባህለ ቦኽሪ ወዱ ንሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረ መስልቀል ኣብዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ብምውጻኣ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ከምዝሓተተ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ኣቐዲሞም ሚኒስተራት ዜና ካብ ዝነበሩ፣ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ብሪጣንያ፣ ምክትል ሚኒስተር ዜና ነበረ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ከኣ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ኣብ ካናዳ የቐምጡ ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ።

ብዘይካ’ዞም ንሚኒስትሪ ዜና በብእዋኑ ዝወከሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሚኒስትሪታት ጉዳያት ወጽኢ፣ ሃገራዊ ልምዓት፣ ጥዕና፣ ምክልኻልን ዝርከቡ ሓለፍቲ’ውን ገሊኦም ብስግረ ዶብ ገሊኦም ከኣ ብሕክምናን ካልእ ምኽንያታትን ደቆም ናብ ወጻኢ ሃገራት እናሰደዱ ዑቕባ ከምዝሓቱ ይግበሩ ምህላዎም ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

በንጻር እዚ ግና እዞም ደቆምን ሓያሎ ኣባላት ስድራቤታቶም ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኤውሮጳን ኣውስትራልያን እናልኣኹ ዘዕቑቡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን፣ ካድራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብሰንኪ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ዝርአ ማእሰርቲን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ከም ግብኡ ክገልጽዎ’ዮም ዝስምዑ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0