ወደባዊት ከተማ ዓደን፣ ናብ እዚ ስዑዲ ዓረብ ተሰጋጊራ

Radio Erena: 29 October 2019

ደባዊት ከተማ ዓደን ናይ የመን፣ ናብ እዚ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተሰጋገረት ተሓቢሩ።

ኣቐዲማ ኣብ እዚ ሕቡራት ኢማራት ዝጸንሐ ዓደን፣ ኣብ መንጎ’ቶም ብስዑዲ ዝድገፉ ሰራዊት መንግትስን ብኢማራት ዝሕገዙ ሚሊሻን ተገማሚዓ’ያ ጸኒሓ።

ንደቡብ የመን ንምንጻል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቃት ሚሊሻ፣ ብኢማራት ተሓጊዞም፣ ንሓያሎ ትካላት መንግስቲ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ብ “ዕልዋ” ‘ዩ ከሲስዎም።

ብሰንኪ እዚ ኣብ መንጎ መሻርኽቲ ኵናት የመን ዝኾና ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዘይምርድዳእ ጸኒሑ’ዩ።

ነዚ ንምፍታሕ ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ዝርርባት፣ ብቀዳም 26 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ኩሎም ወገናት ዝተኻየደ ስምምዕ፣ እዚ ከተማ ዓደን ናብ ኢማራት ተኣልዩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰጋገር ተወሲኑ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ከምዘሰልጠነቶም ዝግለጹ ሚሊሻታት፣ ኣብ ዓደንን ካልኦት ዘገድስዋ ቦታታትን ከተዋፍር ምጽንሓ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር የቃልዑ።

ካብ ሓያሎ ከባቢታት የመን በብእዋኑ ትስሕብ ዘላ ኢማራት፣ ነቶም ሚሊሻታት ናብታ ልዕሉ ስትራቴጃዊ ኣገዳስነት እትውነን፣ ዝዓበየት ናይ የመን ደሴት ሶኮትራ ተዋፍር ምህላዋ’ውን ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0