“ወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ክበጽሑ ፈቒድና፣” ሚ/ጉ/ ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

“ወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ክበጽሑ ፈቒድና፣” ሚ/ጉ/ ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

Radio Erena: 01 March 2016

Osman

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኩነታት እሱራት ንምዕዛብ፣ ወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ክበጽሑ ከምዝፈቐደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

ሚኒስተር ዑስማን ነዚ ዘረጋገጸ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኮይኑ፣ ወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ካብ ዘካየድዎ ናይ ሰለስተ እዋናት ዑደት፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሑ እዚ ናይ ሰምበል ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ሓደ ካብ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት’ውን ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበዝጽሑ ንሮይተርስ ኣረጋጊጹ።

 

ይኹን’ምበር ሰምበል ብስርቂ፣ ቅትለት ሰብን ካልእ ሲቪላዊ ገበናት ዝፈጸሙ ዝእሰርሉ ምስ ምዃኑ፣ ካብቲ ናይ ፖለቲካ፣ ሃይምኖትን ስግረዶብን ዝእሰርሉ ከም ዒራዒሮ፣ ካርሼሊ፣ ሚዕጢር፣ ኣደርሰር፣ ትራክ ቢ፣ ፕሪማ ካንትሪ ባረንቱን ዝተፈልየን ዝሓሸን ኣተሓሕዛ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ኣብዘን ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን ስግረ ዶብን እሱራት ዝሕየሩለን ኣስታት 300 ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተታሕዙ ኣማኢት ዜጋታት፣ ኣብ ልዕሊኦም ብዝወርድ ግፍዕታት ግዳያት ሕማማት፣ ሞትን ምጉስቛልን ከምዝኾኑ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት

ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ዘይፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዘለዉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበረ፣ ጋዜጠኛታትንን መራሕቲ ሃይማኖትን’ውን ን15 ዓመታት ምስ ስድራቤታቶም ከይራተራኸቡ ብዘይ ፍርድን ሕግን ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ይፈለጥ።

በዚን ካልእን ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራውያን’ውን፣ እሱራት ጽቡቕ ይተሓዙ ከምዘለዉ ንምምሳል ንወኪልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱን፣ ንመመሳመሲ ድማ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ክበጽሑን ከምዝፈቐደ ይግለጽ።

ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርያ ወርሒ ለካቲት ናይ 2016 ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሐ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ተዘዋዊሩ ድሕሪ ምዕዛብ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከኣ ከምዝተዘራረበ ይዝዝከር።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ትኹን ካልኦት ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ውድብ፣ ናብ ኤርትራ ብምእታው ቀጥታው ምጽራይን መጽናዕትን ንምክያድ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ጠለባት ብመንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ’ዩ ተነጺጉ።

እታ ኮሚሽን ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውንን ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ብዝኣከበቶም ሓበሬታን መጽናዕትን ከኣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጄኔቫ ዝመደበራ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላዉ ምቕራባ ይዝከር።

እታ መርማሪት ኮሚሽን በተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ከይህልዉ ንምጽራይ’ውን ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዕማም ተዋሂቡዋ፣ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ጸብጻባ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከተቕርብ’ያ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0