ወከልቲ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት: ሱዳን ኣትዮም

Radio Erena: 18 October 2020

ንዑመር ኣልበሽር፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቐርበሉ ዝኽእል መንገድታት ንምዝታይ፣ ወከልቲ’ቲ ትካል ናብ ሱዳን ዑደት ኣካዪዶም።
እቲ ብኣኽባር ሕጊ ፋቱ በንሱዳ ዝተመርሐ ጉጅለ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ርክብ ከካዪድ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣልበሽር በቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂትን፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ዘጠቓልል ዝተፈላለየ ክስታት ቀሪቡሉ፣ ኣብ ዝገሸሉ ተታሒዙ፣ ኣብ ሄግ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ተበዪኑሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
መንግስቲ ሱዳን ኣብ መጀመሪያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፣ ንኣልበሽር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከረክቦ ከምዘይኮነ፣ ኣምሳያኡ ግና፣ ተመሳሳሊ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣቚሙ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ከካዪዶ ምዃኑ ሓቢሩ’ዩ።
ምስ ኣልበሽር ብተመሳሳሊ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተኸሲሶም ዘለዉ ከም ኣሕመድ ሃሩን፣ ዓብደል ራሕም መሓመድ ሑሴን፣ ዓሊ ቁሻይብ ዝርከብዎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክርከቡ እንከለዉ፣ ዓብደላ ባንዳ ግና ክሳብ ሕጂ ተሰዊሩ ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብ 2003 ዝጀመረ ቅልውላው ዳርፉር ልዕሊ 300 ሽሕ ህይወት ሱዳናውያን ከምዘህለቐ ይፍለጥ።

 

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0