ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ንመጀመርያ እዋኖም ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ንምክያድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣለዉ

Radio Erena: 25 October 2022

ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ኣብ ሕዳር 2020 ኵናት ካብ ዝጅመር፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ንመጀመርያ እዋኖም ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ንምክያድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣለዉ።

እዚ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም፣ ተጻብኦታት ብምውጋድ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይ ናብ ዝሕግዝ መድረኽ ከሰጋግር ትጽቢት ተነቢርሉ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ሸምገልቲ ዝረቑሖም፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ኡሁሩ ኬንያታን፣ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረት፣ ፕምሌዚ ምላምቦ ንጉካን፣ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ 24 ጥቅምቲ፣ ኣብ ፕሪቶርያ ክካየድ ምዃኑ ዝተሓበረ ቀጥታዊ ዘተ ንምዕዋት ብዝልዓለ ይዋስኡ ምህላዎም መርበባት ዜና ሓቢረን።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ሓያሎ ወሰንቲ ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ ዘረጋገጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ዘተ ዘለዎ እምነት ገሊጹ ኣሎ።

ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝቐጸለ ኵናት፣ ብሰራዊት ኤርትራ ዝድገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንከተማታት ሽረ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋን፣ ኣላማጣን ከምዝተቖጻጸረ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ኣብዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ይሳተፉ ምህላዎም ካብ ምሕባር ሓሊፎም፣ ብዛዕባ ዝርዝራት ኵናትን ካልእ ምዕባለታትን ኣይገለጹን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ከም ቀዳማይ ቅድመ ኩነት ንዘተ ሰላም ከቕርቦ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይእምቱ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትር ካብ ትግራይን ምምላስ እቲ ቅድሚ ምጅማር ኵናት፣ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝነበረ ከም ወልቃይት ዝኣመሰለ ከባቢታትን ከም ቅድመ ኩነት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝንገር።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘተ ክፍታሕ ጸቕጢ እትገብር ዘላ ኣመሪካ፣ በዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ተበግሶ ሓጎሳ ገሊጻ ኣላ።

እንተኾነ፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዝተሓላለኸ መድረኽ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ዘረድኡ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ፣ ዝካየድ ቀጥታዊ ዘተ፣ ክልቲኦም ወገናት ወትሃደራዊ ዓቕሚ ንምጉልባትን ናይ ዲፕሎማሲ ጸብለልታ ንምርግጋጽን ዝሕዝጎም ግዜ ንምኽሳብ ጥራይ ክጥቀምሉ ምዃኖም የገንዝቡ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0