ወከልቲ መማህራን ዚምባብወ ተቓውሞ የካይዱ

ወከልቲ መማህራን ዚምባብወ ተቓውሞ የካይዱ

zimb teachersኣብ ዚምባብወ ኣብ ገጠራት ዝተመደቡ መማህራን ዝገብርዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ካብ መንግስቲ’ታ ሃገር ከቢድ ምፍርራህ ይወርዶም ከምዘሎ ገሊጾም።

እቶም ወከልቲ መማህራን ተቓውሞኦም፣ ካብ ከተማ ሙታዋታዋ ናብ ርእሰ ከተማ ሃራረ ናይ 200 ኪሎሜተር ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባር ክገልጽዎ ከምዝሓለኑ ይገልጹ።

 

እንተኾነ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ጉዕዞኦም፣ ኣባላት ጸጥታን መንእሰያት ኣባላት ዛኑ ፒ.ኤፍ.ን ኣብቲ ዘዕረፉሉ ቦታ ብምምጻእ፣ ነቲ ናይ ተቓውሞ ጉዕዞ ከቋርጹዎ የገድድዎም ከምዘለዉ ገሊጾም።

እቶም ሰልፈኛታት ኣልዒሎሞ ዘለዉ ሕቶታት፣ ወሰኽ ደሞዝ፣ ናይ ገጠር ኣበል፣ ዕረፍቲ ኣዴታት መማህራን፣ ምውዳቕ ዋጋ ገንዘብ ኣስዒቡሎም ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝኣመሰለን ካልእን ምዃኑ ንማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ዝሃብዎ ቃለመጠይቕ ገሊጾም።

ንሳቶም ኣብ መንገዶም ኣብ ዘዘዕረፉወን ዓድታት ናይ ዝርከቡ መማህራን ናይ ደገፍ ክታም እንዳኣከቡ፣ ኣብ ሃራረ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ከረክቡ መዲቦም ከምዘለዉ የመልክቱ።

ምምሕዳር ሙጋበ ብዝኽተሎ ፖሊሲ፣ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ሸሚሙዋ’ኳ እንተሎ፣ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን ምስ’ቶም ቀንዲ ተጠቒዖም ዘለዉ ክፋል ሕብረተሰብ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0