ወተሃደራት የመን ኣብ ደሴታት ኤርትራ ይተኣኻኸቡ

yemeniብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት የመን ኣብ ደሴታት ኤርትራ ይተኣኻኸቡ ከምዘለዉ ሺን ሁዋ ካብ የመን ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም ካብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝተዓስከሩ ሓደስቲ ወተሃደራት ዶባት ስዑዲ ዓረብ ንምሕላው ብፍሉይ ዝሰልጠኑ ምዃኖም ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

 

ኣብ ኲናት ሓድሕድ የመን፣ ኣጽዋር ኮነ ሰራዊት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምጉዕዓዝ ደሴታት ኤርትራ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ወተሃደራውያን ተንተንቲ የመልክቱ።

ብመሰረት ሺን ሁዋ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቶም 350 የመናውያን ወተሃደራት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ካብ ደሴታት ኤርትራ ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ክግዕዙ እዮም።
ስዑዲ ዓረብ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ዝወርዳ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ልዕሊ 5 ሽሕ የመናውያን ወተሃደራት ንምስልጣን መደብ ከምዘለዋ እዩ ዝግለጽ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ሑቲ ዝተወንጨፈ ሚሳይላት፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዕንወት ከምዘውረደ ኣፈኛ’ቲ ውድብ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሃቡዎ ናይ ኣሉታ ምላሽ፣ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ሚሳይል እኳ እተተኻየደ፣ ሓይሊ ኣየር’ታ ሃገር ንኹሉ ከምዘበርዓኖ ገሊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0