“ኵናት ትግራይ፣ ብዘተ ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ፣ ኢትዮጵያ ን10ታት ዓመታት ኣብ ዝቕጽል ኵናት ሰሜን ክትሽመም’ያ።” ተንተንቲ

Radio Erena: 24 November 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት፣ ብፖለቲካዊ ዘተ መዕለቢ እንተዘይተጌርሉ፣ እታ ሃገር ዳግማይ፣ ብሰሜን ን10ታት ዓመታት ኣብ ዝቕዕል ኵናት ክትሽመም ምዃና ተንተንቲ ፖለቲካ የጠንቕቑ።

ዝተፈላለዩ ተንተንቲ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘቕርብዎ ዘለዉ ዓንቀጻት፣ ኵናት ትግራይ፣ ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝገልጾ ዘሎ፣ ከተማታት ብምሓዝ ጥራይ ክዛዘም ከምዘይክእል ሕሉፍ ታሪኽ እቲ ከባቢ ብምቕራብ ኣዘኻኺሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንከተማ መቐለ ብታንክታት ከምዝኸባ ብምጥቓስ፣ ኩሎም ሓለፍቲ ህወሓት ኢዶም ክህቡ ንሳልስቲ ጥራይ ዝጸንሐ ጻውዒት ሂቡ ኣሎ።

እንተዘይኮይኑ፣ ኣብታ ከተማ ንሕስያ ዘይብሉ ደብዳብን መጥቓዕትን ከምዝካየድ’ውን ኣፈራሪሑ።

እንተኾነ፣ ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ክትኣቱ እንተኽኢላ’ውን፣ ኵናት ሰሜን ከብቅዕ’ዩ ማላተ ከምዘይኮነ’ዮም እቶም ተንተንቲ ዘመልክቱ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ዞባውን ውድባትን ንዝቐረበ ናይ ምቁራስ ቶኽሲ ስምምዕን ዘተን እማመታት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነጺግዎ’ዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዘንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣስታት 4 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣንጸላልዩዎ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ውን፣ ናብ ህዝቢ ዝበጽሕ ህጹጽ ሓገዝ መንገዲታት ክኽከፍት ንዝቐረበ ጻውዒት፣ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እወታዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 30 ሽሕ ዝግመቱ ኢትዮጵያን፣ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።

እቲ ኵናት እናጸንከረ ይኸይድ ምስ ምህላዉ፣ ብዝሒ ናይ ዝስደዱ ሰባት ኣስታት 200 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፣ ይጅምር ደኣ’ምበር ይዛዘም ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ትንታነ ዘለዎም ሓያሎ ፖለቲከኛታትን ተንተንት ብወገኖም፣ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ብዝበኣሰ፣ ናብ ድሕሪት ክጎቶ ምዃኑ ይእምቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0