ኵናትን ደርቂን ኣብ ዘይበልየሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋጥሞ ይስጋእ

Radio Erena: 25 April 2023

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሰራዊት መንግስቲን ሓውሲ ሚሊሻ ዝኾነ ተወርዋሪ እዚን፣ ንከተማ ካርቱም ሓዊሱ፣ ሓያሎ ከተማታት ከቢድ ዋሕዲ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ይርኣየን ከምዘሎ ነበርተን ንማዕከናት ዜና ይገልጹ ኣለዉ።

እታ ዝሓሸነ መነባብሮ ዝጸንሓ ከተማ ካርቱም፣ ኣገልግሎታት ማይን መብራህትን ተቛሪጹ፣ ዕዳጋታት ብስሩዕ ክካየደሉ ኣብ ዘይክእል ዘይርጉእ ኩነታት ካብ እትወድቕ፣ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣሕሊፋ ኣላ።

ሱዳን፣ ብሰንኪ’ቲ ናይ 30 ዓመታት ምልኪ ዝወለዶ ተኸታታሊ ፖለቲካዊ ቅልውላውን እገዳታትን፣ ህዝባ ግዳይ ናህሪ ዋጋታት መሰረታዊ ነገራት ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣቑጺሩ’ዩ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ኣንጻር እቲ ናህሪ ዋጋታትን ነቲ ኩነታት ዝፈጠረ ስርዓትን፣ ተደጋጋሚ ሰለማዊ ሰልፍታትን ናዕብን ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሚያዝያ 2019፣ ነታ ሃገር ን30 ዓመታት ንዝመርሐ ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣን ንኽእለ ቀሲቡ።

እንተኾነ፣ ንምእላይ ስርዓት በሺር ስዒቡ፣ ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ስልጣን ናይ ምብሓት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ቁርቁስ፣ ኩነታት እታ ሃገር ክብእስ እምበር ክሃድእ ኣይተራእየን።

ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምስግጋር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ዕንቅፋታት ክፈጥሩ ዝጸንሑ እዞም ክልተ ሓይልታት፣ እንሆ ሎሚ ናብ ረጽሚ ኣምሪሖም፣ ኣብ ሱዳን፣ ይትረፍ ዶ ብጉዳይ ዋጋታት መሰረታዊ መግብታት ንምዝታይ፣ ብሰላም ደቂስካ ንምትንሳእ ‘ውን ከም ሓለፋ ዝውሰደሉ ግዜ ኣርኪቡዋ ንርኢ ኣሎና።

እዚ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፣ ነቲ ልዕሊ 45 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ፣ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ዝትሕት ደረጃ መነባብሮ ኣውዲቑ፣ ንሚልዮናት ሰባት ግዳያት ሰብኣዊ ቅልውላው ከይገብሮም የስግእ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምልካዊ ስርዓታት ዝመንቀሊኡ፣ ፖለቲካዊ ፍሕፍሐ፣ ቁጠባዊ ዘይርግኡነትን ብዶብ ተሳቢቡ ናብ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ረጽሚን ካልእ ምትፍናንን ስለዘምርሓ፣ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ዞባ፣ ከጋጥሞ ብዝጸንሐ ተኸታታሊ ደርቂ፣ ልዕሊ 21 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ስለዝኾነ፣ ካብ መጽወቲ ሃገራትን ውድባትን ሓገዝ ይጽበ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣስታት 70 ዓመታት ታሪኽ፣ ካብ ኵናትን ደርቂን ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ፣ ምንጋፍ ካብ ድኽነት፣ ብመግቢ ርእስኻ ምኽኣልን ካልእ ናብ ጎደና ልምዓትን ውሑስ መነባብሮን ከሰጋግር ዝኽእል መደባት ዘይኮነ፣ ብሕጂው’ን ካልእ ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅላውላው ይጽበዮ ምህላዉ ዘሕዘን ተርእዮ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0