ኮንተይነር ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ?

ኮንተይነር ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ?

Radio Erena: 20 March 2015

Cont1

     ሰሉስ 16 ታሕሳስ 2014 ወጋሕታ፣ ኮንተይነር ዝጸረት በጣሕ ብትራፊክን ድሙቕ መብራህትን ተዓጂባ ብሓደ ካብቲ ናብ ግኑን ስም ዘለዎ ኣውራ ጎደና ፓሪስ፣ ሻን -ዘ-ሊዘ (Champs-Élysées) ዘራኽብ ንእሱ ጎደና ተዓጺፋ ኣብ እግሪ ግንቢ ኣይፍል ደው በለት። ዓበይቲ ጽዕነት እተራግፍ መኪና’ውን እግሪ-እግራ ሰዓበት። ካበየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጹ ፍቑራት ኣብ እግሪ’ዚ ብስም መሃንድሱ ጉስታፍ ኤፍል ዝጽዋዕ ፈረንሳውያን ‘ቱራፌል’ ዝብልዎ ኣይፍል ታወር ቃል ኪዳን ክእስሩ፣ መብጽዓታት ክትኣታተዉ፣ ኣፍን ንኣፍ ተወሃሂቦም ክሰዓዓሙ ንቡር ተርእዮ ስለዝኾነ ሓድሽ ክስተት ኮይንዎ ቁልሕ ዝብል’ውን ኣይርከብን።

 

     ሻን ደ ማርስ ኣብ ዝተባህለ ጎግጎል ፓሪስ ኣብ ጥሪ 1887 ተሃኒጹ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ መጋቢት 1889 ንበጻሕቲ ክፉት ዝኾነ ግንቢ ኣይፍል፣ ኣብዚ ናይ 125 ዓመት ታሪኹ ንመጀመርያ ዝተራእየ ፍሉይ ፍጻሜ እንተኔሩ፣ ኣብ እግሩ በጻሕቲ ክዕዘብዎ ዝቐረበ ኮንተይነር ነበረ። “እዚ ኮንተይነር ሰብ ዝእሰረሉ’ዩ።” ዝብል ጽሑፍ ከኣ ተነቢርዎ ይርአ። ከም ኣብነት ዝቐረበት ከኣ እታ ኣብ ዓለም ኮንተይነር ከም ቤት ማእሰርቲ እትግልገለሉ ኤርትራ እትብሃል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኮነት። ዝበዝሑ ነቲ ኮንተይነር ዝተዓዘቡ በጻሕቲ፣ ኤርትራ እትብሃል ሃገር’ውን ይፈልጡ ስለዘይነበሩ፣ እቲ ንምርእቲ ዝቀረበ ኮንተይነርን ኤርትራ እትብሃል ሃገርን፣ ንመዘናግዒ ዝተማህዙ ልቢ ወለድ ከይመሰሎም ኣይተረፈን። ንምእማኑ ኣመና ዝተጸገሙ መሰሉ። ኣብ እግሪ ኣይፍል ታወር ንመዘናግዒ በጻሕቲ ተባሂሉ ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ጥበባዊ ምህዞን ሰንዓታትን ኣሎ። ኣብ ከባቢ እቲ ኮንተይነር ኤርትራ እትብሃል ሃገር ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዜጋታትን ኣብ ኮንተይነር ብምእሳር እተሳቒ ሃገር ኣላ ዝብል’ውን ብቋንቋታት ፈረንሳ፣ እንግሊዝን ዓረብን ይንበብ።

      ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ እግሪ ኣይፍል ታወር ንዘዳለዎ ኮንተይነር ንምዕዛብ ኣንጊሀ’የ ኣብቲ ቦታ ተረኺበ። ኣብ ርሱን ፍቕርን ምዝንጋዕን ዝገላበጡ ዘለዉ በጻሕቲ ሃገር፣ ነቲ ኣብ እግሪ ቱራፌል ወዱቒ ዝርአ ኮንተይነር ይኹን ንዛንትኡ ግዲ ይገብርሉ’ዮም ዝብል ግምት ኣይነበረን። ምናልባት ኤርትራውያን እንተዝኾኑ ብዙሕ መዘኻኸሮም ይኸውን። ኣብቲ ቦታ ኤርትራዊ ክጸንሓኒ’ዩ ዝብል እምነት’ውን ኣይነበረንን። ንጎልጎል ሻን ደ ማርስ ኣቋሪጸ ኣብ ጥቃ እቲ ኮንተይነር ብዝበጻሕኩ ግና፣ ቦኽሪ ጓሉ ንጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ካብ ማዕዶ ከለልያ ኸኣልኩ። ኣብዚ ኮንተይነር እዚ መን ተኣሲሩ ይፈልጥ? ኣብ ኤርትራ በዚ ኣሰካሒ ኣገባብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓለፈ ወይ ዝሓልፍ ዘሎ እትፈልጥዎ ሰብ ኣሎ ዶ? ንዝብል ኣቤ ስዮም ህያው ኣብነት ነበረት። ኣቡኣ ጋዜጠኛ ሰኣላይ ተጋዳላይ ስዮም ጸሃየ ክእሰር እንከሎ ጓል 3 ዓመት ዝነበረት ኣቤ፣ ኣብ 16 ዓመታ ኣብ እግሪ ቱራፌል፣ ‘ኣቦይን ኣማኢት ኤርትራውያን ብጾቱብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኮንተይነር ዝተሓየሩ’ዮም’ ንምባል ብጸጋን ጥበብን ምዕባያ ንፈጣረ ኣመስገንኩ። ኣብ እግሪ’ቲ ኮንተይነር ንመዘከርታ ምስ ኣቤ ስእሊ ወሲደ ካብ ቱራፌል ተፋነኹ።

Conta22

     ሓያላን ሃገራት፣ ንሳዳም ሑሴን “ዝሓባእካዮ ኣዕነውቲ ኣጽዋር ንኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ እንተዘይኣፍሊጥካ ወይልኻ” ዝብላሉ ዝነበረ ግዜ ትዝክርዎ ዶ? ሳዳም ሑሴን ብውረድ ደይብ ተዓዛቢት ወይ መርማሪት ጉጅለ ክትኣቱ ‘ሞ ዝኾነ ቀመማዊ ወይ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከምዘይወነነ ከተጻሪ ሕራይ ኢሉ ክፈቕድ ብግዴታ ነበረ። እንተኾነ እታ ከተጻሪ ዝኣተወ ጉጅለ፣ “ሳዳም ነተን ክንምርምረን ዝሓሰብና ኬሚካላዊ እጽዋር ዝተጎዓዓዘላን በራሚል ከይተረፈ ሓቢኡን።” ክትብል ጸብጻባ ኣቕሪባ። ስዒቡ ዝቐረበ ምስሕሓብ ድማ እተን በርሚል ኣበይ ኣተዋ ኮነ። እዛ ሃገረ ነብኩድናጻር፣ ቤልሳጻርን ሃሙራቢን ዝኾነት ጥንታዊት ባቢሎን ኣብ ዘመነ ሳዳም፣ በርሚል ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ ናብ ምባል ደረጃ ወዲቓ። ግደ ሓቂ ድሕሪ ምውዳቓ ሳዳም እተን በራሚል ኣብ ሰማይ እትበርር ጤል ኮይነን ምጽንሐን፣ ነታ ርእሰ ሓያላን ኣመሪካን መሻርኽታን ዘኽዓበ ፍጻሜ ነበረ።

     ኤርትራ ኣብዘን ዝሕለፋ ቅንያት ብደረጃ ዓለም እትዝከረሉ ዝዓበየ ዛዕባ ኮይኑ ዝቐነየ ጉዳይ ኮንተይነር’ዩ። ጽቡቕ ምስሊ ኤርትራ ብፍላይ እኳ ኣብቲ ተዓወተሉ’የ እትብሎ ሸቶታት ሚልዮንዮም ኣውራ ድማ ኣብ መዳይ ጥዕና ክጽብጽብ’ዩ ተባሂሉ ብጥንቓቐ ተመሪሑ ኣብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ ዝተፈቕደሉ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ ክልተ ጫፋት ተንኪፉ ንደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኣሰራሲሩ። እታ ኣፍደጌታታ ብምርጋጥ ብምስጢራውነታ ኣዛራቢት ዝኾነት ኤርትራ ኣብ መደይ ጥዕና ዓቢ ዓወት ኣመዝጊባ ከምዘላ ቢቢሲ ምጥቃስ፣ በቲ ሓደ እታ ሃገር ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘተኣማምን ጸጥታ ከምዘላን ምስጢራ ብቀሊሉ ከምዘይቅላዕን በቲ ኻልእ ድማ ኣብ ጥዕና ምዕዋታ ዘሐብን’ዩ ክብሉ እናበሉ ደገፍቲ መንግስቲ ንማሕበራዊ ሜድያታት ብፍላይ ፌስቡክን ትዊተርን ክወርዎ እንከለዉ፣ ተቓወምቲ ህግደፍ ድማ እዛ ብስደት ዜጋታታ ዕርቓና ዝወጸት ኤርትራ ኣየናይ ዝሕባእ ምስጢር ሃልዩዋ’ዩ’ሞ ሚስጢራዊት ሃገር ክትከውን ክብሉ ሕቕታቶም ከግህዱ ተራእዮም። ኣውራ ዘተኮርሉ ነጥቢ ግና፣ እቲ ኮንተይነራት ከይስኣል ብትሒም ትሒም ዝዝረብ ዝነበረ ቢቢሲ ከምዘለዎ ቀሪጹ ምፍናው ነበረ።

     ቢቢሲ ናብ ኤርትራ ዝኣተወሉ ምኽንያት ኮንተይነራት ንምድላይ እንተኔሩ ኣማን ብኣማን ተዓዊቱ። እዘን ኤርትራዊ ዝሳቐየለን ኮንተይነራት ብኣካል ንምጽራይ ናብ ኤርትራ ክትኣቱ ዝሓተተ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ትኹን መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህቦም መልሲ እንተነይሩ፣ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ኮንተይነራት ንልምዓት ዘድልየና ነገራት እንኽዝነሉ ደኣምበር ቤት ማእሰርቲ ስለዘይኮነ፣ ነዚ ንምጽራይ እንተኾንኩም ዘይምምጻእኩም ይሓይሽ ዝብል’ዩ። ንሳቶም ከኣ ‘ያእ! ኣይፋልናን ባዕላታንኣ ደኣ ክንፍትሽ’ ክብሉ ሳልሳይ ዓመቶም ተቓሪቡ ኣሎ። ቢቢሲ ግና በቛራጭ ሓቒ ሒዙ ደበኽ ክብል ክኢሉ።

Cont3

     እቲ ምስጢራዊ’ዩ ዝብሃል መንግስቲ ኤርትራ ኣሚኑ ደጌታቱ ዝኸፈተሉ’ሞ ድሒሩ ብዝቐረበ ጸብጻብ ግና ዝጎሃየሉ፣ እዚ ናይ ቢቢሲ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ቅድሚ 10 ዓመት’ውን ብዛዕባ ኤርትራ መጽሓፍ ከተዳሉ ፍቓድ ተዋሂቡዋ መጽናዕታ ብምክያድ I didn’t do it for You ዘርእስታ መጽሓፍ ዘዳለወት ሚኬላ ሮንግ’ውን፣ እታ መጽሓፍ ተሓቲማ ናብዕዳጋ ድሕሪ ምቕራባ፣ Ms. Wrong is wrong፣ ‘ወይዘሪት ሮንግ ተጋጊኺ ኣለኺ’ ክብሉ ከምዝተገደዱ ኣይርሳዕን። እታ መጽሓፍ’ውን ኣብ ኤርትራ ከምልባ ከይትዝርጋሕ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ወሲዶም። ሕጂ ከኣ እንሆ ግዜኡ ኣኺሉ ኣቶ ቢቢሲ ተጋጊኹም ኣለኹም ይብልዎ ኣለዉ።

     ጉዳይ እዘን ሰራማት ኮንተይነራት ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከይተላዕለ ኣይተረፈን። ዓለም ‘እዘን ዜጋታትኩም እትእስሩለን ኮንተየነራት…ክትብል፣ ንሳቶም ከኣ፣ ተውሳኺቱልና ኣብ ልምዓት ኢና ዘሎና… ክብሉ’፣ እቲ ምኒን ብኽልቲኡ ወገን ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። ጉዳይ ኮንተይነራት ኤርትራ ከም ናይ ዒራቕ በራሚል እትነፍር ጤል ከምዘይከውን ግና ብውሕዱ ንሕና ኤርትራውያን ርግጸኛታት ኢና።

     እሞ ሃየ በሉ፣ መንግስቲ ‘ኣሉ’ ካብ ምባል፣ ዓለም ከኣ ኢዳ ካብ ምውጥዋጥ ከዕርፉ’ሲ፣ ኮንተይነር ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ? ተሓባበሩና።

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ፓሪስ
18-03-15

COMMENTS

WORDPRESS: 0