‘ኮቪድ 19፤ ከም ኣህጉራዊ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ኣይረኣይን’ዩ’ ውድብ ጥዕና ዓለም

Radio Erena: 07 May 2023
ሕማም ኮቪድ 19፤ ከም ኣህጉራዊ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ከምዘይረኣይ፤ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ዳይረክተር’ቲ ውድብ ብዓርቢ 5 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ‘ምስ ኮሚቴ ህጹጽ ሓደጋ ንመበል 15 ግዜ ድሕሪ ዘካየድናዮ ዘተ፤ ኮቪድ 19 ኣስጋእነቱ ካብ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ከምዝወረደ ክሕብር እፈቱ’ ኢሉ። እንተኾነ እቲ ቫይረስ ባህርያቱ እንዳቐያየረ ገና ኣብ መንጎና ይነብር ስለዘሎ ጥንቃቐና ከነጉድል ኣይግባእን’ ክብል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣጠንቂቑ።
ሓደጋ ኮቪድ ገና ከምዘይተወገደ ዝገልጹ ክኢላታት ጥዕና፤ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝተራእየ ብዝሒ መልከፍቲ ኣብነት ክኾነና ይግባእ ክብሉ ይገልጹ።
ኮቪድ 19 ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ከም ህጹጽ ናይ ጥዕና ሓደጋ ድሕሪ ምእዋጁ፤ ብዘይካ ዝወሰዶ ህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፤ ንቁጠባ ዓለም ብምድኻሙ፤ ንኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ደረጃ ድኽነት ከምዝወርዱ ገይሩ እዩ።
ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ፤ ከባቢ 5 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ክትባት ጸረ ኮሮና ወሲዶም ኣለዉ።
ብጀረጃ ኣህጉር ክረአ እንከሎ ብኮቪድ 19 ናይ ዝተለኽፉ ቁጽሪ ሰባት ክሳብ 764 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ፤ በቲ ሕማም ዝሞቱ ከኣ ዋላ’ኳ ብወግዒ 7 ሚልዮን ምዃኖም እንተተገልጸ፤ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ግና ክሳብ 20 ሚልዮን ከምዝበጽሕ፤ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0