ኮሮናቫይርረስ፣ ንብዝሒ ተጠቃምነት ኢንተርነት ብልዕሊ 35% ከምዘዕበዮ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 May 2020

ንለበዳ ኮራና ቫይረስን ስዒቡ ድሕሪ ዝወጸ ኣዋጃት ውሸባን ምዕጻው ኣብ ኣባይትን፣ ህዝቢ ናብ ማዕከናት ዜና ዝጸንሖ ኣተኩሮ ብዝልዓለ ናህሩ’ዩ ወሲኹ።

ከም ቲቪን ሬድዮን ዝኣመሰለ ሜድያ፣ ብፍላይ እቲ ናብ ዜናን መዘናግዒ መደባትን ዝዛዘወ መደባቱ ዝያዳ’ቲ ካልእ ብዝሒ ተኸታተልቲ ከምዝነበርዎ’ዩ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ኣተኩሩ ዝተኻየደ መጽናዕታት ዝሕብር።

ብመሰረት፣ ስታቲስታ ዶት ኮም ዝታባሀለ፣ ሓደ ካብዚ ናይ መጽናዕቲ ትካላት ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ መፋርቒ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ፣ ብዝሒ ተኸታተልቲ ዜና ብ36% ክዓቢ እንከሎ፣ ብዝሒ ተጠቐምቲ ከም ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ዋትስኣፕ፣ ዙምን ካልእን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት ድማ ብ21% ሚእታዊት ዛይዱ።

ብኢንተርነት ዝካየዱ ምንባብ መጻሕፍትን ብድምጺ ዝተመልኡ መጽሓፍቲ ምስማዕን14% ወሰኽ ኣመዝጊቡ።

ከም ኔትፍሊክስ ዝኣመሰለ ናይ ፊልም ከብሒን ኦንላይን ጌይማትን፣ እቶም ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብዝሒ ሓድሽቲ ዓማዊል ዘጥረዩ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋታት’ዮም።

ብድምር ክርአ እንከሎ፣ ድማ እንተስ ንዜና እንተስ ንመዘናግዒን ማሕበራዊ ርክባትን፣ ወሰኽ ሃልኪ ኢንተረነት ኣብዘን ክልተ ኣዋርሕ ብልዕሊ 35% ዓብዩ።

እዚ ግን ኣብ ኩለን ሃገራት ብማዕረ ኣይኮነን።

ኣብ ኣመሪካ፣ ሃገራት ኤውሮጳን ሓደ ሓደ ኣብ ርሑቕ ኤስያ ዝርከባ ሃገራትን፣ ዝያዳ ወሰኽ ሃልኪ ኢንተርነት ዝተመዝገበሉ ዞባታት ዓለምና ክኸውን እንከሎ፣ ኣፍሪቃ እታ ዝወሓደ ተጠቐምቲ ኢንተርነት ዝነበሩዋ’ያ።

ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ፣ ብደረጃ ዓለም ዝወሓደ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ድማ ብኣንጻሩ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ካብቲ ዝነበሮ ክጎድል ከምዝኽእል’ዩ ተመልኪቱ።

እዚ ድማ፣ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ኢንተርነት እዘን ሃገራት፣ ኣብ ኢንተርነት ካፌታት ይግልገል ምስ ምንባሩ፣ ትካላት ድማ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ስለዝተዓጽዋ፣ ተጠቃሚ ክጎድል ስለዝጎድል’ዩ።

ኤርትራ፣ 1.1% ካብ ብዝሒ ህዝባ ወይ ድማ ኣስታት 57 ሽሕ ጥራይ’ዩ ኢንተርነት ናይ ምጥቃም ዕድል ረኺቡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኤርትራ፣ ንዜጋታታ ብሞባይል ዳታ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ካብ ዝሓረማ ሒደት ሃገራት ዓለም’ያ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0