ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ዝሃበሉ 13 ሚያዝያ ሰላም ከየስፈነ 13 ዓመታት ኣቝጺሩ

ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ዝሃበሉ 13 ሚያዝያ ሰላም ከየስፈነ 13 ዓመታት ኣቝጺሩ

Radio Erena : 13 April 2015

AlgersAgre

ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ እቲ ንክልቲኤን ሃገራት ዘሰሓሓበ ጉዳይ ዶብ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ዝሃበሉ 13 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ናይ ሰላም ሃዋሁ ከየስፈነ ሎሚ 13 ዓመቱ ኣቝጺሩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ኵናት ኣስታት 100 ሽሕ ህወይት ሰብ ድሕሪ ምህላቝ ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት ብስምምዕ ኣልጀርስ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ሄግ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ይዝከር።

ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ብዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ድማ፣ እቲ ጠንቂ ኵናት ክልትኤን ሃገራት ዝኾነ ባድመ ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

እንተኾነ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቅድመ- ኩነታዊ ዝርርብ ክካየድ ብምሕታታ፣ እቲ ውሳኔ ኣብ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ኣይውዓለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተረጋገጸ ከባቢታት ሰራዊቱ ከይስሓበ ምስቲ መንግስቲ ዝምድና ናብ ንቡር ክምለስ ኣይክእልን’ዩ ዝብል መርገጺ ዝሓዘ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ንኢትዮጵያ ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ክትስሕብ ብዘይምግዳዱ ይነቕፍ።

እዚ ቅድሚ 13 ዓመታት ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ብዘይምኽኣሉ ድማ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ሕጂ’ውን ኣብ ናይ ጽልእን ንኵናት ፕሮፖጋንዳ ተጸሚደን ይርከባ።

====================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0