ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኮኒኑ

Radio Erena: 12 May 2017

Niger Human

ካብ 8 ክሳብ 22 ግንቦት ኣብ ኒጀር፣ ከተማ ኒያመይ ዝጋባእ ዘሎ መበል 60 ስሩዕ ዋዕላ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ፕረስ ንዘለዎ ኣመለኻኽታ ኮኒኑ።

እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ናይ’ዚ ሰሙን እዚ ዋዕልኡ፣ እቲ መንግስቲ ኣሲርዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት’ውን ክፈትሕ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ።

ንውዕል ሰብኣዊ መሰላትን ቻርተራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝኸተመ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ዝኸተሞ ስምምዓት ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ’ውን እቲ ኮሚሽን ወቒሱ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብምውካል ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ብዮርን ቱንባክ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ሽወደንን ኤርትራን ድርብ ዜግነት ንዘለዎም ዳዊት ኢሳቕን ስዩም ጸሃየን ዝርከብዎም ሓያሎ ጋዜጠኛታት ንኣስታት 16 ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊኡ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ እዞም እሱራት ንኽፍትሑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ተሪር ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ተማሕጺኑ።

ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ምግሃስ መሰል ዜጋታቶም ኣብ ዝሕተትሉ እዋን፣ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ዘይረኸበ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዮም ከም ምኽንያት ዘቕርቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ን16 ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊእዎ ዘሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክፈትሕ ወይ ሃለዋቶም ክሕብር ብምኽንያት 3 ግንቦት ኣብ ዝተዘከረ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ’ ጻውዒት ከምዝቐረበ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ካብ 2001 መስከረም ኣትሒዙ ኣሲርዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት፣ ወግዓዊ ክሲ ከይተመስረተሎም፣ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፣ ብጠበቓ ከይተወከሉ፣ ምስ ስድራቤታቶም ከይተራኸቡ 16 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0