ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ብዝምልከት ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ

ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ብዝምልከት ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 22 June 2017

African unionኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ስማዒል ሸርግዊ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ብዝምልከት ምስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ቀዋሚ ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዘራሪቡ።

እቲ ኮሚሽነር ንኣባላት ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ኣቶ ቢንያም በርሀን ሃብቶም ዘርኣይን፣ ብ21 ሰነ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም፣ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታትን መርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃን ብዝምልከት ዘትዩ።

 ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ጅቡትን ካብ ግጭት ክቑጠባ ከምዝጸውዐ ይዝከር።

እቲ ሕብረት ናብቲ ንክልትኤን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዱሜራ ተዓዛቢ ጉጅለ ንምልኣኽ ኣብ ምድላው’ዩ ዝርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0