ክፍሊ ኢምግሬሽን ሆላንድ፣  ሰለስተ ኤርትራውያን ተርጎምቲ ካብ ስራሕ ሰጕጉ

ክፍሊ ኢምግሬሽን ሆላንድ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ተርጎምቲ ካብ ስራሕ ሰጕጉ

Radio Erena: 12 October 2016

Holland

ክፍሊ ኢምግሬሽን ሆላንድ፣ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ጥቡቕ ምትእስሳር ጸኒሕዎም ንዝበሎም ሰለስተ ኤርትራውያን ተርጎምቲ ካብ ስራሕ ሰጕጉ።

ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ‘ውን ብካልእ ምኽንያታት ካብ ስራሕ ከባርር ምዃኑ ማዕከን ዜና ኤንኣርሲ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ ገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስተር ድሕነትን ፍትሕን ሆላንድ ክላስ ዲየኮቭ፣ ብዛዕባ’ቲ ናይ ኤርትራውያን ተርጎምቲ ኩነታት ብዝምልከት ብሰኑይ 10 ጥቅምቲ ናብ ታሕተዋት ባይታ እታ ሃገር ከምዘቕረቦ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ሆላንድ፣ ድሕሪ’ቲ ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ ምዃኖም ንዝተረጋገጸ ክልተ ኣሕዋት ካብ ስራሕ ዘባረረትሉ እዋን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 107 ኤርትራውያን ተርጎምቲ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ይኩን ምስ ስርዓት ኣስመራ ርክብ ከምዘይብሎም ንምጽራይ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ክፍሊ ኢምግሬሽን ሆላንድ፣፣ ንስደተኛታት ዝትርጉም ውልቀሰብ ምስቲ ስደተኛታት ዝሃድምሉ ዘለዉ ስርዓት ዝኾነ ዓይነት ርክብ ክህልዎ ከምዘይብሉ ንምንጻር ንኹሎም እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ኤርትራውያን ተርጎምቲ፣ በብውልቂ እናጸወዐ ከምዘዘራረቦም ማዕከን ዜና ኤንኣርሲ ኣብ ትሕዝቶኡ ኣስፊሩ።

ኣብዚ በብውልቂ ዝተጸውዐ ዝዝርርብ ዘይተሳተፉ ከኣ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ከምዘለዎ ንምርግጋጽ ስለዘይክኣል ካብ ስራሕ ክባረሩ ምዃኖም ክፍሊ ኢምግሬሽን ሆላንድ የጠንቕቕ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0