ክኢላታት ሕጊ ሽወደን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሰበ ስልጣናቱን ብገበን ከሲሶም

ክኢላታት ሕጊ ሽወደን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሰበ ስልጣናቱን ብገበን ከሲሶም

Radio Erena: 03 July, 2014

swe

ክኢላታት ሕጊ ሽወደን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ከሲሶም።

እቶም ክኢላታት ሕጊ፣ ናብ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዘቕረብዎ ወግዓዊ ክሲ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቕን ሰበ ስልጣናቱን፣ ዝፍጽምዎ ብዘለዉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተከሲሶም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝጽውዕ’ዩ።

እዚ ኣብ ሽወደን ንመጀመራያ እዋኑ ዝቐረበ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ክሲ፣ ኣብ ካልእ ሃገር ንዝርከቡ ሰበ ስልጣን ፈጺሞሞ ብዝብሃል ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኽሕተትሉ ዝዓለም’ዩ።

 

እንተኾነ እቲ ብክኢላታት ሕጊ ሽወደን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ኣህጉራዊ ኣተኩሮ እንተዘይረኺቡ ስማዊ ጥራይ ኮይኑ ከምዝተርፍ ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

ሓደ ካብቶም ክኢላታት ሕጊ ሽወደን ፐርሲ ብራት ግና፣ እዚ ኣቕርቦሞ ዘሎ ክሲ ስማዊ ጥራይ ዘይኮነ ግብራዊ ዝኾነሉ ሕጋዊ ባይታ ከምዘሎ ምስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ሽወደን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ኣሎ ካብ ዝብል እምነት፣ ንኤርትራዉን ብዘይከቢድ ጸቕጢ ፖለቲካዊ ዑቕባ ካብ ዝሃብ ሃገራት ኤውሮጳ’ያ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0