ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፣ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ተቓዊመን

Radio Erena: 07 July 2019

ዘተ ሰላም ሱዳን ኣብ ስምምዕ ኣብ ዝተበጽሓሉ ጽባሕ፣ ክልተ ውድባት ነቲ ስምምዕ ከምዘይተቐበላኦ ኣፍሊጠን።
እተን ብሚኒ ሚናዊን ዓብደል ዋሂድ ኣልኑርን ዝምራሓ ውድባት ኣብ መግለጺአን፣ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም፣ ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋን ንዝገበሮ ስምምዓት ዘይሓወሰ ብምዃኑ፣ ድሌት ህዝቢ ሱዳን ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ኢለን።
ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኣቡዳቢን ካልኦት ኣብ ሱዳን ረብሓ ዘለወን ሃገራትን ተኸታታሊ ኣኼባታትን ስምምዓትን ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።
ብኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተማእከለ ስምምዕ ሰላም ሓሓሙሽተ ካብ ክልቲኦም ወገናት፣ ሓደ ከኣ ክልቲኦም ዝሰማምዑሉ ዘይሻራዊ ሰብ ክቐውም ኣብ ዝብል እማመ ስምምዕ ብምግባር ብዓርቢ 5 ሓምለ ከምዝተፈራረሙ ይፍለጥ።
እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ ንኣሳስታት ሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ን21 ኣዋርሕ ብወተሃደራዊ ቆንስል ክምራሕ፣ ን18 ኣዋርሕ ከኣ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ክመርሖ ዝብል ይርከቦ።
ነዚ ስምምዓት’ዚ ዝቃወሙ ዘለዉ ወገናት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ ምልሻ ጃንጃዊድ፣ ኣካል ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክኸውን ኣይግባእን ብምባል፣ ብቅትለት ኣማኢት ሱዳናውያን ሰላማውያን ሰባት ዝሕተት ሙዃኑ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ንኣዋርሕ ናይ ሓባር ነጥቢ ምብጻሕ ተሳኢኑዎ ዝጸንሐ ንቤት ምኽሪ ዝምልከት ጉዳይ፣ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝጅምር ዘተ ክረኣይ ሙዃኑ ይግለጽ። ከምዝፍለጥ ወተሃደራዊ ጉጅለ 67 ሚእታዊት ናይቲ ቤት ምኽሪ ወናብር ክውንን እዩ ዝጠልብ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0