ክልተ ባክታት ስዊዘርላንድ ኣብ ትካል ዕደና ነቭሰን ወፍሪ የካይዳ

ክልተ ባክታት ስዊዘርላንድ ኣብ ትካል ዕደና ነቭሰን ወፍሪ የካይዳ

Radio Erena: 06 August 2017

bisha workers       ክልተ ባንክታት ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ምስ ዝነጥፍ ዘሎ ነቭሰን ሪሶርስስ ወፍሪ ከምዘካየዳ፣ ኣር.ቲ.ኤስ. ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

       እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ማዕከን ሓበሬታ ብሓሙስ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና፣ ሃገራዊ ባንኪ ስዊስ (SNB) ከምኡ’ውን ናይ ዙሪክ ካንቶን ባንኪ (ZCB) ምስቲ ብባርነት ዕደናዊ ንጥፈታቱ የካይድ ኣሎ ተባሂሉ ኣብ ካናዳ ክሲ ተመስሪቱሉ ዘሎ ትካል ነቭሰን ብርክታት ብምግዛእ፣ ኣታዊታት ይረኽባ ከምዘለዋ ኣቃሊዑ።

 

      ሃገራዊ ባንክ ስዊስ፣ ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ነቭሰን ዘለዎ ብርኪ ናብ 492,700 ብገንዘብ ክግለጽ እንከሎ፣ ናይ 1.2 ሚልዮን ዶላር ክብ ኣቢሉዎ ከምዘሎ ንፋይናንሳውያን ምንጭታት ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።

       ሃገራዊ ባንክ ስዊስ ምስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ተኸሲሱ ዘሎ ትካል ንምንታይ ክሰርሕ ከምዝደለየ ብኣር.ቲ.ኤስ. ንዝቐረበሉ ሕቶ፣ ‘ተገዳስነትና ኣብ ንግድን ኣታዊታቱን እምበር ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ናይቲ ዕደናዊ ትካል ተራ የብልናን’ ክብል መሊሱ።

       ዙሪክ ካንቶናል ባንክ ብወገኑ፣ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ 2017 ጥራይ፣ ኣብ ነቭሰን ሪሶርስስ ንዝነበሮ ዋንነት ብርኪ ብ12.7 ሚእታዊት ክብ ብምባል ናይ 685 ሽሕ ዶላር ወፍሪ ኣካዪዱ ከምዘሎ ይግለጽ። እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዕደናዊ ወፍሪ ንግዳዊ ረብሓ ደኣምበር ካልእ ምስ ነቭሰን ዘተኣሳስሮ ነገር ከምዘይብሉ ይገልጽ።

      ዕደና ወርቂ ቢሻ 60 ሚእታዊት ብነቭሰን ሪሶርስስ 40 ሚእታዊት ከኣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ኮይኑ፣ ብግዱድ ዕስክርና ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ፣ ብዘይብቑዕን ንጥዕና ኣስጋኢን ብዝኾነ ኣተሓሕዛ ዝርከቦ ብዝተፈላለየ ምርጋጽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ ቀሪብሉ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0