ክልል ኣምሓራ፣ ብህወሓት ዝተላእኩ’ዮም ዝበሎም ዕጡቓት ከምዝሓዘ ይጠቅስ

Radio Erena: 24 July 2020

ኢትዮጵያ፣ ፈለስቲን ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎምን ተመሲሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ናዕቢ ንምፍጣር ዝተላእኩ ሓይልታት’ዮም ዝተባህሉ 85 ሰባት ከምዝተኣስሩ ንኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ።

እቶም ተልእኾ ተዋሂብዎም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰሊኾም ዝኣተዉ’ዮም ዝተባህሉ ሰባት፣ ኣብ ቅንጸላ ሰበ ስልጣንን ኣብ ሃይማኖታዊን ታሪኻውን ቦታታት መጥቃዕቲ ንምፍጻምን ውዲት ከምዝነሮም እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብለውጢ ዝተገለፈ ህወሓት፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምግጫው ዳግም ናብ ስልጣን ናይ ምምላስ ባህጊ ስለዘለዎ ለይቲን ቀትሪን ይሰርሓሉ ከምዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ነቲ ኣማሓዳሪ ብምጥቃስ ገሊጻ።

መግለጺ ኣማሓዳሪ ክልል ኣማሓራ፣ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ጎረባብቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፣ ከቢድ ጽልኢን ቅርሕንቲን ከምዘሎ ዝእንፍት ምዃኑ’ዮም ዘረድኡ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእቶ።

ኢትዮጵያ ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ብሄር ግጭታት ንላዕሊ ዝበኣሰ ሓደጋ ይጽበያ ከምዘሎ ይእንፍቱ።

ኣስታት 100 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ናይ ለውጢ ጎደና ከምዘላ ትግለጽ እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ፣ ኣብ ካልእ ክልላት ሓይልን ጽልዋን ስለዘይወነነ፣ እታ ሃገር ናብ ምብትታን ከተምርሕ ከምዝእትኽል ተንቲኖም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0