ኬንያ: ኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ፈቒዳ

Radio Erena: Monday, 30 October 2023

ኬንያ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፣ ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝመጹ በጻሕቲ ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገራ ከኣትዉ ከምእትፈቅድ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ገሊጹ::

ፕርዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ህዝቢ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይ ቪዛ ናብ ዝደልይዎ ክንቀሳኸሱ ግዜኡ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

ጉዕዞ ናጻ-ቪዛ ዜጋታት ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ምትግባሩ ግን ሓያሎ ማሕለኻታትን ምድንጓያትን ገጢምዎ ኣሎ::

ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዞባዊ ይኹን ክልተኣዊ ስምምዓት፣ ኣብ ነንሕድሕደን ናጻ ናይ ቪዛ ጉዕዞ ዝገብራ’ኳ እንተኾነ፣ ናብ መላእ ኣፍሪቃ ግን ዛገት ኣይተተግበረን::

ኣቐዲመን፣ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣- ሲሺልስ: ጋምብያን በኒንን ጥራይ እየን ዜጋታት ኣፍሪቃ ብዘይቪዛ ናብ ክኣትዉ ፈቒደን ጸኒሐን::

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ቪዛ ገደብ ክገብራ እንከለዋ ተገምጢሉ ንዐአን ከምዝሃስን: ሰባት ብቐሊሉ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ እንተዘይክኢሎም ድማ ንንግዲ ይኹን ካልእ ርክባት ዓንቃጺ ምኳኑን ኣረዲኡ::

ዝበዝሑ ዜጋታት ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ምዕራብ ይኹን ኤስያን ካልእ ክፋላት ዓለምን ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉንን ‘ዮም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምጉዓዝ’ውን ቪዛ የድልዮም።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0