‘ኬንያ፣ ኣንጻር ዘራእቲ ዝወረራ ሚልዮናት ጨራሩ ኵናት ኣዊጃ።’ ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ

Radio Erena: 18 January 2023

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንዝበቖለ ዘራእቲ ወሪረን ከምዘለዋ ዝተገልጻ ልዕሊ 6 ሚልዮን ጨራሩ ንምጥፋእ ኵናት ኣዊጃ ክብሉ ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ወቒሶም።

እተን ንኣሽቱ ዓይነት ኣዕዋፍ፣ ኣብ ልዕሊ 800 ሄክታር ተዘሪኡ ንዝበቖለ ሩዝ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቐንኦ ከምዘለዋ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ዛጊት ኣብ ኣስታት 300 ሄክታር ንዝበቖለ እእካል ኣብሪሰን ከምዘለዋ ዝሓበረ እቲ መርበብ ዜና፣ መንግስቲ ንምጥፋአን ቀመማዊ ባእታ ይነጽግ ምህላዉ ጠቒሱ።

ሓንቲ ካብዘን ጨራሩ፣ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 10 ግራም እኽሊ ክለቅም ከምእትኽእል ውድብ መግብን ሕርሻን – FAO ኣገንዚቡ።

ብሰንኪ እዚ ወራር ናይዘን ጨራሩ፣ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ዝርከቡ ሓረስቶት፣ 60 ቶን ዝግመት እቶት ምህርቲ ክኸስሩ ምዃኖም እቲ ውድብ ኣተሓሳሲቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ FAO፣ ኬንያ፣ ኣብ 2021፣ ብሰንኪ ወራር ጨራሩ ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣእካል ከሲራ።

መንግስቲ ኬንያ ነዘን ጨራሩ ንምጥፋእ ዝነጽጎ ዘሎ ‘ፌንትዮን’ ዝተባህለ ቀመማዊ ባእታ፣ ንወዲሰብ ሓዊስካ ንካልኦት ህይወታውያን ሓደገኛ ምዃኑ ተጣበቕቲ ስነ መጽናዕትን ምርምርን ኣዕዋፍ የጠንቅቑ።

ተጠባቕቲ ስነ ኣከባቢ ብወገኖም፣ እቲ ባእታ፣- ንማይ፣ መሬትን ንጹህ ኣየርን ብማዕረ ዝብክል ሓደገኛ ቀመም’ዩ ብምባል ተቓውሞ የቕርቡ ምህላዎም ዘጋርድያን ኣስሚርሉ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0