ኬንያ፣ ኣብ ዶብ ንዝቖመ ሓጹር ዘፍርሱ ሶማላውያን ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 06 June 2019
መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ዶብ ንዝቖመ ሓጹር ኣብ ልዕሊ ዘፍርሱ ሶማላውያን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

እቲ መንግስቲ ነዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላለፈ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ብ26 ግንቦት ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ’ዩ።

ሶማላውያን፣ ብቆልዑን ደቆንስትዮን ተኸቢቦም ነቲ ሓጹር ናይ ምፍራስ ስጉምታት ክወስዱ ምጽንሖም ዘመልከተ እቲ ደብዳቤ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር መንግስቲ ኬንያ ከምዘይጻወሮ ጠቒሱ።

ዛጊት ፈሪሱ ናይ ዘሎ ሓጹር፣ ብዋጋ ይትምኖ ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፣ ካብ መንግስቲ ሶማል ካሕሳ ከምዝሓትት ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ብወገኑ፣ ብ29 ግንቦት ኣብ ዝልኣኾ መልሲ፣ መንግስቲ ሶማል ንሉኣላዊ ግዝኣታት ኬንያ ከምዘኽብር ብምርግጋጽ፣ ኬንያ ብወገና ሉኣላዊ ግዝኣታት ሶማል ከተኽብር ኣዘኻኺሩ።

ኬንያን ሶማልያን፣ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝርከብ ሰፊሕ ክሊ ማይ ኣብ ምስሕሓብ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኬንያ፣ ካብ ሶማል ንዝብገሳ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ብቀጥታ ናብ ናይሮቢ ከይዓልባ ምኽልካላ ነቲ ምስሓሓብ ኣጋዲድዎ ይርከብ።

ኬንያ ምስ ሶማል ዘዳውባ ዶባት፣ ብመንደቕን ስልክታትን ንምሕጻሩ ዝወሰደቶ ተበግሶ፣ ምስ ብልሽውናን ምጥፍፋእን፣ ኣብ 2017 ደው ኢሉ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ግና ትቕጽሎ ከምዘላ’ያ ኣፍሊጣ።

እቲ ንጸጥታ ተባሂሉ ዝትከል ዘሎ ሓጹር፣ ንኬንያ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ከኽስራ’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይወቕሱ።

ኣስታት 700 ኪሎሜተር ንውሓት ካብ ዘለዎ ዶባት ኬንያን ሶማልያን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እቲ 10 ኪሎሜተር ጥራይ ክሕጸር እንከሎ፣ 35 ሚልዮን ዶላር ከምዝወድአ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0