ኬንያ፣ ኣብ ትሕቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ

ኬንያ፣ ኣብ ትሕቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ

Radio Erena: 28 May 2015

kenpol

ኣልሸባብ ብሰሉስ 26 ግንቦት ኣብ ዶብ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ተሓቢሩ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ጋሪሳ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ መኮንናት ፖሊስ ብኸቢድን ፎኪስን ከምዘቑሰልን ሓሙሽተ ወትሃደራውያን መካይን ድማ ከምዘቃጸለን ኣፈኛ ፖሊስ ኬንያ ጆሴፍ ቡዋነት ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ጉድኣት ካብቲ ብፈኛ ፖሊስ ዝተጠቕሰ ከምዝዛይድ ዝሓበሩ ካልኦት ምንጭታት ድማ፣ ብዘይካቶምም ዝቖሰሉ ናይ 13 ኣባላት ፖሊስ ሃለዋት ጠፍኡ ከምዘሎ የመልክቱ።

 

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ናይ 13 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ሃለዋት ጠፊኡ ንዝተባህለ ሓበሬታ ነጺግዎ።

ኣብ እዋን እቲ ሃንደበታዊ ናይ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ኣባላት ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ኬንያ ከምዝነበሩ ዝሓበረት ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ድማ፣ ዳርጋ ብምሉኦም ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ሓቢራ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ነታ ሃገር ካብ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ክከላኸል ዓቕሚ ስኢኑ ከምዘሎ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ይነቕፉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ሽዱሽተ ግዜ ሽበራዊ መጥቃዕታት ብምክያድ መብዛሕቶም ሰለማውያን ሰባት ዝርከብዎም ኣስታት 400 ኬንያውያን ቀቲሉ ኣሎ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0