ኬንያ፣ ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፣ ሕሙም ዝጸዓነት ኣምቡላንስ ብዕጡቓት ተጨውያ

Radio Erena: 04 November 2022

ኣብ ኬንያ ምስ ሶማል ኣብ ዘዋስን ዞባ ማንዴራ፣ ሓደ ሕሙም ዝጸዓነት ኣምቡላንስ ምስ መራሒኣን ክልተ ሰሞ ሞያ ሕክምናን ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ መንግስቲ ኬንያ ኣፍሊጡ።

እቶም ዕጡቓት፣ ሕሙም ጽዒና ኤልዋክ ናብ ዝተባህለ ናብ ሆስፒታል ትጓዓዝ ንዝነበረት ኣምቡላንስ ዝጨወይሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

እቶም ብ02 ሕዳር ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኬንያ ዝተጨውዩ ኣርባዕተ ሰባት ዛጊት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ኣልሸባብ ነቲ ጭውያ ከምዝፈጸሞ’ዮም ሰበ ስልጣን ዞባ ማንዴራ ዝወቕሱ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሶማል ዘካይዶ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ሰራዊተን ናብታ ሃገር ንዝልኣኻ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን የጠንቅቕ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ኬንያ፣ ኣብ 2013ን ከምኡ ድማ 2015፣ ኣብ ከተማታት ጋሪሳን ናይሮቢን ብዝፈጸሞ ክልተ መጥቃዕታት፣ ልዕሊ 250 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0