ኣመሪካ፣ ኣብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ፣ 100 ሰብ ኣልቦ ጀላቡ (ናይ ባሕሪ ድሮን) ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 04 November 2022

ኣመሪካ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ዘሎ ክሊ ማይ፣ ኣብ ሓለዋ ዘገልግላ፣ 100 ሰብ ኣልቦ ጃላቡ ወይ ናይ ባሕሪ ድሮን ከተዋፍር መዲባ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ኣዛዚ ናይቲ ኣብዚ ክሊ ማይ ተዋፊሩ ዘሎ መበል 5ይ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ምክትል ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፣ ኣብ ባሕቲ ሕዳር ኣብ ዝሃብፕ መግለጺ፣ እቲ መሻርኽቲ ሃገራት ብዝልዓለ ክዋስኣሉ’የን ዝበሎ መደብ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ልሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ግብራዊ ከምዝኸውን ኣስሚርሉ።

ኣመሪካ፣ ኣካል’ቲ ሓይሊ ዕማም 59 ዝተሰምየ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ወሽመት ዓረብ ዝዝርጋሕ ክሊ ማይ፣ ብዲጂታላዊ መንገዲ ናይ ምቁጽጻር መደብ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ፈተነ ከተካይደሉ ምጽንሓ እቲ ኣቲ ኣዛዚ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ብኣመሪካ ተመሪሑ፣ ልዕሊ 60 ሃገራት ዘካየድኦ፣ ነቲ ክሊ ማይ ናይ ምሕላውን ምቁጽጻርን ልምምድ፣ ሓደ ክፋሉ ዲጂታላዊ ምቁጽጻር ባሕሪ’ዩ ኔሩ።

መበል 5ይ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝወደቦ፣ ኣብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ ዝዋፈር ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም 153 ሃገራት፣ ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ብግብጺ ይምራሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብዚ ውሕስነት ናይ ንግዲ መራኽብ ዓለምና ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝቖመ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኤርትራ ኣይተጸንበረትን።

ዓመታዊ ኣስታት 20 ሽሕ ናይ ንግዲ መራኽብ፣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ካብን ናብን ኩርንዓት ዓለምና ይመላለሳ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0