ኬንያን ጅቡቲን፣ 59 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ፕሮጀክት ምዝርጋሕ ትሕቲ ባሕሪ ፋይበር ይሻረኻ

Radio Erena: 30 May 2019
ኬንያን ጂቡቲን፣ 59 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ፣ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ጭሕጊ (ፋይበር) ንምዝርጋሕ ብሽርክነት ንምስራሕ ተሰማሚዐን።

ኬንያ ብዘውጽኣቶ መግለጺ መሰረት፣ እቲ ምስ ጅቡቲ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ፋይበር ናይ ምዝርጋሕ ፕሮጀክት፣ ኣብ ውሑስ ምስግጋር ሓበሬታን ምዕባይ ዲጂታል ቁጠባን ኣገዳሲ እጃም ክህልዎ’ዩ።

ብትሕተ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ናይ ፋይበር መስመራት፣ ኣብቲ ዞባ ስሉጥ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምትእትታው ሓገዚ ምዃኑ ክዝረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ፣ ሃገራት እቲ ዞባ፣ ኣብ ኢንተርነትን ምስግጋር ሓበሬታን ብዘለወን ስግኣት፣ ቅልጡፍ ዋሕዚ ኢንተርነት ንምርካብ ዝሕግዝ፣ ኣገልግሎት ፋይበር ቆላሕታ ክገብራሉ ኣይተራእያን።

ካብተን ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኬንያ፣ ምዝርጋሕ ፋይበር ክትደፍኣሉ ትረኣ ኣላ።

ብዘይካ’ዚ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ወደብ ሞምባሳ ዝዝርጋሕ መስመር፣ ንመጻኢ’ውን፣ ብኣስታት 198 ሚልዮን ዶላር፣ 9 ሽሕ ኪሎሜተር ዝሽፍን፣ ፋይበር ናይ ምዝርጋሕ ሃገራዊ መደብ ከምዘለዋ መግለጺ መንግስቲ ኬንያ ኣገንዚቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0