ኬንያን ኡጋንዳን፣ ኣንጻር ዕጡቓት M23 መጥቃዕቲ ንምክያድ ሰራዊተን ናብ ኮንጎ ክልእካየን

Radio Erena: 23 November 2022

ኡጋንዳ፣ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፖብሊ ኮንጎ ንዝንቀሳቐሱ፣ ብመጋቢት 23 ወይ March 23 (M23) ዝፍለጡ ዕጡቓት ንምጥቃዕ ኣስታት 1000 ወትሃደራት ክትልእኽ’ያ።

እቶም ምብራቓዊ ኮንጎ፣ ዞባ ኪቩ ንእትርከብ ከተማ ሩትሺሩ ምስ ተቖጻጸሩ፣ ንብረት ጽዒነን ናብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ኣማኢት መካይን ኡጋንዳ ኣብ ዶብ ተዓጊተን ከምዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኡጋንዳ፣ ምስ ዞባ ኪቩ ናይ ኮንጎ ዑሙር ንግዳዊ ልውውጥ እተካይደሉ፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብ ኣውራ መንገድታት ብምሉኡ ኣብ ሓደ ብምውዳቑ፣ ንቁጠባኣ ዝፈታተን ስግኣት ስለዝኾነ’ያ፣ ሰራዊታ ናብቲ ዞባ ክትልእኽ ተገዲዳ ዘላ።

ብመንገዲ ኡጋንዳ ነቲ ናይ ንግዲ መስመር እትጥቀመሉ ኬንያ’ውን፣ ኣቐዲማ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣስታት 900 ወትሃደራት ልኢኻ’ያ።

ኡጋንዳን ኬንያን፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምንቅስቓስ መጋቢት 23ኣትዩ ኣትዩ ዘሎ፣ ኣብ ከባቢ ካኑንጉ ዝርከብ ዶብ ኢሻሻ ንምኽፋት፣ ዝተወሃሃደ መጥቃዕታት ክጅምራ ትጽቢት ኣሎ።

ዕጡቓት ጉጅለ M23፣ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሰነ፣ ምስ ኡጋንዳ ዘዋስን፣ ኣብ ከባቢ ኪቲጎማ ዝርከብ ዶብ ቡሳዛ ተቖጻጺሪዎ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ንኹሉ’ቲ ናይ ንግዲ መስመራት ዓጽዩ፣ ንደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኡጋንዳን ኬንያን ቁጠባዊ ስግኣት ፈጢሩለም ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ሰውራዊ ሰራዊት ኮንጎ ብዝብል ካልኣይ ስም ዝፍለጥ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ23 መጋቢት 2009 ዝተኸተመ፣ ዘይተዓወተ ስምምዕ ሰላም ኮንጎ’ዩ ብ M23 ወይ መጋቢት 23 እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ።

እቲ ጉጅለ ካብ 2012 ክሳብ 2013 ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕታት፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንዘለዎ ዞባ ጎማ ተቖጻጺሩ ምንባሩ ይዝከር።

መንግስቲ ርዋንዳ ከምዝድግፎ ዝነገረሉ ዝነበረ ዕጡቕ ጉጅለ M23፣ ድሕሪ’ቲ ብሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ዝተገብረሉ ጸቕጢን፣ ምቁራጽ ቶዅሲ ኣዊጁ፣ ምስ መንግስቲ ኮንጎ ስምምዕ ሰላም ክገብር ከምዝደሊ ብምግላጽ ወትሃደራዊ ንጥፈታቱ ኣዛሕቲሉ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ገለ ክፋል እቲ ጉጅለ ኣብ 2017 ዳግማይ፣ ኣብ ዞባ ጎማ ወትሃደራዊ ምንቅስቃሳት ጀሚሩ።

ካብ ዓመት ናብ ዓመቱ መጥቃዕታቱ እናዕበየ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ሓሊፉ፣ ንዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ግጭት ክሸምም ናብ ዝኽእል ደረጃ ዓብዩ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ሰራዊተን ናብ ኮንጎ ምውፋረን ደጋፊት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንዝነበረት ርዋንዳ ስግኣት ኣሕዲሩላ ከምዘሎ ተንተንቲ ይሕብሩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0