ካናዳ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ዜጋታት ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ነናብ ዓዶም ምምላስ ትቕጽሎ ከምዘላ ተገሊጹ

ካናዳ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ዜጋታት ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ነናብ ዓዶም ምምላስ ትቕጽሎ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 21 August, 2014

Canada border

ካናዳ፣ ናብ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መስርሕ ትቕጽሎ ከምዘላ፣ ንጸብጻብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዶብ እታ ሃገር Canada Border Services Agency (CBSA) ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ቶሮንቶ ስታር ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፣ ካብ 2004 ክሳብ 2014፣ ካናዳ 24 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባን 10 ዜጋታት ሰሜን ኮርያን ነናብ ሃገሮም መሊሳ ኣላ።

 

መንግስቲ ካናዳ፣ ዜጋታት ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዘቕርብዎ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተቐባልነት እንተዘይረኪቡ’ውን ናብ ዓዶም ከይምለሱ ዝብል ኣህጉራዊ መርገጺ ዕሽሽ ብምባል’ያ፣ ንሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ክትመልስ ጸኒሓ።

ኣብ ለካቲት 2010፣ ዘቕረቦ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ናብ ኤርትራ ክምለስ ምዃኑ ዝተነግሮ ሃብቶም ክብርኣብ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ናብ ኤርትራ ካብ ዝመለስ፣ ኣብ ሃሊፋክስ ካናዳ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸ ይዝከር።

ካናዳ ዓመታዊ ኣሽታት 10 ሽሕ ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከምእትጥርዝ ጸብጻብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዶብ እታ ሃገር የመልክት።

መብዛሕቶም እቶም ካብ ካናዳ ዝጥረዙ ካብ ሃገራት ኤስያን ኤውሮጳን ዝመጹ ምዃኖም’ውን እቲ ክፍሊ ይገልጽ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0