ካናዳ፣ ናብ መበቆል ዓዶም ዝመላለሱ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት፣ መንበሪ ፍቓዶም ከተሕድግ ምዃና ተጠንቕቕ

ካናዳ፣ ናብ መበቆል ዓዶም ዝመላለሱ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት፣ መንበሪ ፍቓዶም ከተሕድግ ምዃና ተጠንቕቕ

Radio Erena: 20 February 2015

Metro Cana

መንግስቲ ካናዳ፣ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ዝተፈላለየ ሃገራት ናብ ዓዶም እንተተመላሊሶም፣ ዝሃቦም ናይ ዑቕባ መሰል ከሕድግ ምዃኑ የጠንቕቕ።

ክፍሊ ኢምግሬሽን ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ካብ 2012 ኣትሒዙ ዝኣወጆ እኳ እንተኾነ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ስጉምቲ ከይወሰደ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ 825 ስደተኛታት ጉዳይ ብምጽናዕ፣ ዝሃቦም ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምስራዝ መንበሪ ፍቓዶም ከሕድግ ምዃኑ፣ ንጸብጻብ ቶሮስታር ብምጥቃስ ጋዜጣ ሜትሮ ካናዳ ካብ ቶሮንቶ ኣብ ናይ 17 ለካቲት 2015 ሕታማ ኣስፊራ።

ኣብ ካናዳ ኣስማቶምን መንነቶምን ብምቕያር ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣባላት ስድራቤት ሰበልስጣን መንግስቲ ኤርትራ ይኹኑ ሓያሎ ኣባላትን ደገፍትን ህግደፍ፣ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህቦም ብመንገዲ ሱዳን ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ብመሰረት ሕጊ ስደተኛታት ጄኔቫ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦ ዝኾነ ሰብ፣ ናብ መበቆል ሃገሩ እንተተመሊሱ፣ ዝተዋህቦ ፖለቲካዊ ዑቕባ ይስረዝ’ዩ ዝብል።

ኣቐዲሙ’ውን መንግስቲ ነርወይ፣ ነዚ ንምግታእ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ዜጋታት ኤርትራ፣ ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያ’ውን ከይገሹ ዝኽልክል ኣገባብ ንምትእትታው ይሰርሕ ምህላዉ ተገሊጹ’ዩ።

ብሕክምናን ካልእ ምኽንያታትን ናብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ዝተላእኩ ኣባላት ህግደፍ ብፍላይ ድማ ኣባልት ስድራቤት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ መንነቶምን ኣስማቶም ብምቕያር ዑቕባ ሓቲቶም ይነብሩ ከምዘለዉ ሬድዮ ኤረና ብሰነድ ዘረጋገጸቶ ሓቂ’ዩ።

========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0