“ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ እንኮ ሃገር ኤርትራ’ያ፣” ፈረንሳዊ ምሁር ስነ ፖለቲካን ፍልስፍናን

Radio Erena: 14 September 2016

Naufrage

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ እንኮ ሃገር’ያ ክብል ፈረንሳዊ ምሁር ስነ ፖለቲካን ፍልስፍናን ዶክተር ዣን ባፕቲስ ገለጹ።

እቲ፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዘዳለወን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከኣ ዝተፋለየ ኣህጉራዊ ዋዕላታት ዝወደበን ፈረንሳዊ ምሁር፣ Eryhtree: Un naufrage totalitaire (ኤርትራ፣ ዝጠሓለት መርከብ ውልቀ መላኺ) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዋ መጽሓፍ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መቕድም ናይቲ መጽሓፍ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ብምጥቃስ ኣብ ዓለም ከኣ ሰሜን ኮርያ፣ ቻይና፣ ቬትናም፣ ላኦስን ኩባን ጥራይ ምዃነን ኣዘኻኺሩ።

እዛ 288 ገጻት ዘለዋ ንፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራን ምልኪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን  ብስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ እትግምግም መጽሓፍ ኣብ ፈረንሳን ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝዝረበለን ሃገራትን ንዕዳጋ ቀሪባ ትርከብ።

ኣቐዲማ’ውን ብጋዜጠኛ ሊዮናርድ ቫንሳ ዝተዳልደወት Les Erythréens (ኤርትራውያን) ዘርእስታ መጽሓፍ’ውን ኣብ ፈረንሳ ብሰፊሑ ካብ ዝተነባ ንኤርትራ ዝምልከታ መጻሕፍት’ያ።

ብሰንኪ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ናብ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፣ ማዕከናት ዜና ፈረንሳን ሓያሎ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ኩነታት እዛ ን26 ዓመታት ብምልኪ እትመሓደር ዘላ ኤርትራ ንምፍላጥ፣ ናብታ ሃገር ንምብጻሕን መጽናዕታት ንምክያድን ብተደጋጋሚ’ዮም ዝሓቱ።

ኣዳለውቲ Eryhtree: Un naufrage totalitaire (ኤርትራ፣ ዝጠሓለት መርከብ ውልቀ መላኺ) ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ብኣሳእል ብምስናይ’ዮም ነታ መጽሓፍ ኣብ ኣቕሪቦማ።

ኤርትራ ብምልኪ ትመሓደር ከምዘላ ብምድምዳም ከኣ እንታይ ዓይነት ምልኪ ኣብ ዝብል ብፖለቲካዊ ስነ ፍልጠት ዝተሰነየ ሰፊሕ ዝርዝራት ኣብታ መጽሓፍ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለምና ህዝብታት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከቑሙን፣ ይውክሉኒ’ዮም ንዝበልዎም መራሕቲ ክመርጹን ዝኾነ ዜጋውን ንስልጣን ክወዳደረን ዘይትንከፍ መሰሉ ኣብ ዝኾነሉ ዘመን፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ግና መሰል ናይ ክትመርጽን ክትምረጽን ከም ኣርእስቲ’ውን ዝልዓል ከምዘይኮነ ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ዲፕሎማሰኛታትን ብዛዕባ ምርጫ’ቲ ብሓደ ሰብ ተባሒቱ ዘሎ መንግስቶም ኣብ ዝሕተትሉ እዋን፣ ብዛዕባ ምርጫ ካልኦት መንግስታት ከናሽውን ክዋዘዩን ምርኣይ ከኣ ሓደ ካብቲ’ቲ ዘሕዝን ፖለቲካዊ ተርእዮ’ዩ።

ኣብ ጀርመን ዑደት ዘካየደ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብዛዕባ ተኽእሎታት ብዙሓውያን ሰልፍታት ንዝቐረበሉ ሕቶ ተመሳሳሊ ምላሽ’ዩ ሂቡ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ፌስቲቫል ስካንዲናቭያ ንዝህቢ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ምርጫ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝዛረብ፣ ንተሳተፍቲ ሂላሪ ክሊንተን ዶ ወይን ዶናልድ ትራምፕ? ንመን ትድግፉ ክብል ዘስምዖ መደረ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0