ካብ ጥሪ ክሳብ ጥቅምቲ 2023፣ ልዕሊ 2741 ኤርትራውያን ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ሰጊሮም

Radio Erena: Friday, 01 December 2023

ኣብ 2023 ብንኣሽቱ ጀላቡ ብመንገዲ ፈረንሳን በልጅዩምን ናብ ብሪጣንያ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት፣ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣፍጋኒስታንን ኢራንንዮም።

ኣብዛ ንዛዝማ ዘለና ዓመተ 202327,413 ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።

ቁጽሪ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኣተዉ ሰባት፣ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብምንጽጻር ብ35% ወሪዱ።

ዜጋታት ኣፍጋኒስታን  ካብ ጥሪ ክሳብ ጥቅምቲ 2023 ዝዓበየ ቁጽሪ ይሕዙ፣ እዚ ማለት 20% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ፣ ስዒቦም ድማ ኢራናውያን 11% ከምኡ ውን ኤርትራውያን 10%

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023ንጀላቡ ደው ምባልዝብል መምርሒ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ቀንዲ ቀዳምነታቱ ብምግባር፣ ዝኾነ ሰብ ድሕሪ 20 ሓምለ 2023 ብንኣሽቱ ጀላቡ ወይ ብኻልእ “ዘይሕጋዊ” መንገዲ ንእንግሊዝ ቻነል ዝሰግር፣ ሕቶ ዑቕባኡ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ UK IN A CHANGING EUROPE 15 ነሓሰ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ከም ዝነበረት ይዝከር።

ስደተኛታት ሕቶ ዑቕብ ኦም ተቐባልነት ተዘይረኺቡ ናብ ሃገሮም ወይ ድማ ናብታ ዝመጹላ ሃገር ክምለሱ ክግደዱ ምኻኖም ድማ ኣጠንቂቑ ኔሩ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ጥሪ 2022ኣትሒዞም፣ ብጀላቡን ካልእ ዘይሕጋዊ መንገዲን ንዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳን ንምግዓዝ ናይ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ውዕል ምኽታማ ይፍለጥ።

እታ ሃገር፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፣ ቀዳማይ ዙር ምግዓዝ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምትግባር ተበጊሳ እኳ እንተነበረት፣ ብውሳኔ ቤት ፍርዲ ኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ከምዝተሰረዘ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምምጻእ፣ እቲ መስርሕ ሕጋዊ ምዃኑ ስለዝተወሰነሉ፣ ዳግም ንምትግባሩ ይጽዕር ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0