ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ በይኖም ናብ ብሪጣንያ ዝሰገሩ ሰለስተ ኤርትራውያን ቆልዑ ምስ ኣዲኦም ክራኸቡ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 04 January 2023

ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ናብ ብሪጣንያ ዝሰገሩ ሰለስተ ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ምስ ኣዲኦም ክራኸቡ፣ ክፍሊ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ክፈቅድን መስርሕ ክጅምርን ጻውዒት ቀሪቡ።

እቶም 14፣ ትሽዓተን ሓሙሽተን ዝዕድሚኦም ሓደ ወዲን ክልተ ደቂንስትዮን ዝኾኑ ቆልዑ፣ ምስ ኣዲኦም ብ16 ታሕሳስ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ኣብ ዝተበገስሉ፣ ፖሊስ ስለዝመጽእዎም፣ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ነቶም ቆልዑ ናብ ጃልባ ሰቒሎን ነታ ኣዳ ግና ገዲፎማ ከምዝኸዱ ጸብጻብ ዘ ጋርድያን ይሕብር።

እታ 31 ዓመት ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት ሓታቲት ዑቕባ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ በይና ኣብ ሰሜናኢ ፈረንሳ ተሪፋ ከምዘላን ኣብ ብሪጣንያ ምስ ደቓ ክትተሓቛቐፍፍ ከምእትብህግን ጠቒሳ።

እቶም ቆልዑ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ንቆልዑ ዝከታተል ትካል ማሕበራዊ ኣገልግሎት’ዮም ተታሒዞም ዘለዉ።

ትካላት ግብረ ሰናይ ፈረንሳ ነታ ኣደ ናብ ብሪጣንያ ሰጊራ ምስ ደቃ ክትራኸብ ናብ መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እታ ኤርትራዊት ኣደ፣ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓላ ኣብ ዘይብሉ፣ ብ26 ታሕሳስ፣ ሻዱሻይ ዓመት ልደታ ከምዝጸንበለትላ’ውን እተን ትካላት ግብረ ሰናይ ሓቢረን።

ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2022፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 45 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፈረንሳን ብሪጣንያን ብጀላቡን ብዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ዝካየድ ዘሎ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ንምግታእ ናይ ኣስታት 70 ሚልዮን ኤውሮ ውዕል እኳ እንተኸተማ፣ ዛጊት ከድምዕ ኣይከኣለን።

ኣብ 2021 ብዝሒ ናብ ብሪጣንያ ዝሰገሩ ሓተቲ ዑቕባ ኣስታት 17 ሽሕ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት ግና ብልዕሊ 28 ሽሕ ‘ዩ ዛይዱ።

ብሪጣንያ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ናይ ዓመተ 2022፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም ዝመደበቶ ውጥን’ውን ኣይተዓወተን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0