ካብ ኤርትራ ከምዝተበገሰት ዝተነግረላ ሓንቲ ናይ ውግእ መርከብ ብሓይልታት ሑቲ ተጠቒዓ

ካብ ኤርትራ ከምዝተበገሰት ዝተነግረላ ሓንቲ ናይ ውግእ መርከብ ብሓይልታት ሑቲ ተጠቒዓ

Radio Erena: 30 July 2017

        yemen mapዋንነታ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነት፣ ካብ ኤርትራ ከምዝተበገሰት ዝተነግረላ ሓንቲ ናይ ውግእ መርከብ ብሓይልታት ሑቲ ናይ የመን መጥቃዕቲ ከምዝወረዳ ተገሊጹ።

         ኣሶሼትድ ፕረስ ካብ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ ብቀዳም ዕለት 29 ካብ ከባቢታት ወደብ ዓሰብ ተበጊሳ ኣብ ማያዊ ዶባት የመን ምስ ቀረበት፣ ሓይልታት ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉላ ኣፍሊጡ።

 ሰበስልጣን ሑቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ጽዒና ካብ ወደብ ዓሰብ ዝተበገሰት መርከብ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወላ’ኳ እንተሓበሩ፣ ዝወረዳ ዕንወት ግና ኣየነጸሩን።

         ነዚ ብዝምልከት ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ ሓይልታት ሑቲ ነታጒ ዝጸዓነት ንእሽተይ ጃልባ ናብታ መርከብ ብስዳድ ከጥቅዕዋ’ኳ እንተፈተኑ፣ ኣብ ሰብ ኮነ ንብረት ናይታ መርከብ ዝኾነ ዕንወት ከምዘይወረ ገሊጹ።

         ብመሰረት ካብ ሑቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፣ ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝውነና መራኽብ ኲናት፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ተበጊሰን ናብ የመን ክኣትዋ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ እዚ ናይ ቀዳም ፍጻሜ ንሳልሳይ እዋኑ ምዃኑ የመልክት።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0