ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ንምሕታት ዝሰገሩ ክልተ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

Radio Erena: 30 November 2016

Car accide

ዑቕባ ንምሕታት፣ ኣብዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ክልተ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ብሓደጋ መኪና ሞይቶም።

እዞም መርሃዊ ስብሃትለኣብን ዮናስ የውሃንስን ዝተባህሉ ስነጥበባውያን መንእሰያት፣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ድሕሪ ምስጋሮም፣ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ላንድክሩዘር ብዝዓይነታ መኪና እናተጓዕዙ ምስ ዓባይ መኪና ብምግጫዎም ብቀዳም26 ሕዳር ዝዓረፉ።

መራሒ እታ መኪናን ኣብታ መኪና ዝነበሩ ካልኦት ኣርባዕተን’ውን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ክሓልፍ እንከሎ፣ ሰለስተ ከኣ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከምዘለው ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

መርሃዊ ስብሃትለኣብ ድምጻዊ ክኸውን እንከሎ፣ ብኪኮ ዝፍለጥ ዮናስ የውሃንስ ከኣ ደራስን ተዋሳኣይን’ዩ ኔሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0