ካብ ተቃውሞ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሰግአ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጄኔቫ ብምስጢር ኣብ ዝተታሕዘ ኣዳራሽ ይካየድ ኣሎ

ካብ ተቃውሞ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሰግአ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጄኔቫ ብምስጢር ኣብ ዝተታሕዘ ኣዳራሽ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: April 18, 2014

YPFDJ

ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣንጽሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከይውድቡ ካብ ምስጋእ እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ኣዳርሽ ብምስጢር ክተሓዝ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ።

እቲ ትማሊ 17 ለካቲት ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጄኔቫ ጀሚሩ ዘሎ ዓመታዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምኡ’ውን ካብ ኤርትራ ዝመጹ ኣስታት 200 እሙናት ደገፍትን ኣባላትን ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ይሳተፍዎ ኣለዉ።

 

እቲ ኣንጻሩ ብደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክልዓል ካብ ዝኽእል ተቓውሞ ብምስጋእ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ብምስጢር ተታሒዙ ዘሎ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ክሳብ 21 ለካቲት ክቅጽል’ዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብኣባላት ህግደፍ ንዝካየድ ዝኾነ ንጥፈታት ኣንጻር ሕእያሎ ተቓውሞ ብምውዳብ ዝተፈልጡ’ዮም።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0