ካብ ስልጣኑ ዝተሰጎገ ቀ/ሚ ሶማል ነበር ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ ምዝታዩ፣ ኣብ መንግስቲ ሶማል ጥርጣረታት ፈጢሩ

Radio Erena: 09 October 2020

ብባይቶን ፕረዚደንትን ሶማል ካብ ስልጣኑ ዝተሰጎገ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሰን ዓሊ ኻይረ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሶማልን መጻኢ ምርጫ እታ ሃገር ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ዘትዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሰሙን፣ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ኣቀባበል ስነ ስርዓት ከምዝተገብረሉ ዝሓበራ መርበባት ሓበሬታ ሶማል፣ መንግስቲ ሶማል ነቲ ርክብ ብዓይኒ ጥርጣረታት ከምዝርእዮ ኣሚተን።

ንመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ መንግስቲ ሶማል ዝጀመሮ ናይ ዕርቂ መስርሕ ብመንገዲ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር’ዩ ዝካየድ ኔሩ።

ሓሰን ዓሊ ኻይረ፣ ካብ ዝነበሮ ጽፍሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምስጓጉ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ’ዩ።

ካልኦት ኣብቲ ምርጫ ክወዳደሩ ምዃኖም ዘፍለጡ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝታይ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ ርክባት የካይዱ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0