ካብ ሰንዓፈ ናብ ሰርሓ ህዝቢ ከመላልሳ ዝጸንሓ ናይ ብሕቲ መጓዓዝያ ደው ክብላ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

Radio Erena: 26 July 2019

ካብ ሰንዓፈ ናብ ሰርሓ ህዝቢ ከመላልሳ ዝጸንሓ ናይ ብሕቲ መጓዓዝያ ካብ 24 ሓምለ፣ ደው ክብላ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ እቲ ምስመር፣ ብናይ ህግደፍ ትካል መጓዓዝያ ሓራት ክትካእ ተወሲኑ ምህላዉ ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ፣ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ናብታ ናብ ዛላምበሳ ዝቐረበት ንእሽቶ ከተማ ሰርሓ፣ ናይ ብሕቲ መጓዓዝያ ደው ዘበለሉ ምኽንያት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

እንተኾነ፣ ምስቲ ወግዓዊ ምኽፋት ዶባት ክህሉ’ዩ ዝብል ዘረባ፣ ፍኑይ ኮይኑ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ንምቑጽጻርን ዝዓለመ’ዩ ዝብል ዘረባታት ከምዘሎ ይጠቐስ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝትጀመረ ርክብ፣ ዋላ’ውን ድሕሪ ዳግማይ ምዕጻው ዶባት፣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ እናሰገረ ዑቕባ ክሓትትን ኣብ ከተማታት ብፍላይ ድማ ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብዘይ ፍቓድ ክነብርን ጀሚሩ ከምዘሎ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት (ዊኪፒድያ)

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ገረኺዳን 5 years ago

    ለይትን መዓልትን ኣብ ሓሶት። ሕሲኹም እሞ እንታይ ክተምጽኡ ኢኹም። ሑሉሳት