ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ልዕሊ 300 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሊብያ ተመሊሶም

Radio Erena: 19 February 2020

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሓዝዎም ልዕሊ 300 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሊብያ ከምዝመለስዎም ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት IOM ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ወርሒን ክልተ ሰሙንን ብድምር ልዕሊ 1500 ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ተመሊሶም ኣለዉ።

እዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ጣራብሎስን ካልኦት ከተማታት ናብ ዝርከብ፣ ኣስካሕካሒ ኣተሓሕዛ ዘለዎ መዳጎኒታት ይእከቡ ምህላዎም እቲ ኣህጉራዊ ትካል ገሊጹ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዘሎ መዳጎኒታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘለውዎም ሓተቲ ዑቕባ ፣ ናብ ርዋንዳ፣ ግዝያዊ መጽንሒ መዓስከር ንምስግጋሮም ዝተወጠነ መደብ ከምቲ ዝተመደበሉ ክቕጽል ከምዘይክኣለ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ብሕማቕ እናቐጸለን፣ ምጥያስን ምስግጋር ናብ ውሑስ ቦታን መሰናኽል እናገጠሞን፣ ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ ብሱዳንን ካልእ ዶባትን ናብ ሊብያ ይኣትዉ ኣለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0