ካብን ናብን እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ጀሚሩ

Radio Erena: 01 September 2020

ካብን ናብን እስራኤልን ሕቡራት ኢማራትን ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ጀሚሩ።

ካብ ቴልኣቪቭ ተበጊሳ፣ ብሰኑይ 31 ነሓሰ ናብ ኣቡዳቢ ታሪኻዊ ናይ መጓዓዝያ በረራ ዘካየደት ናይ እስራኤል ነፋሪት፣ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤልን ፕረዚደንት ትራምፕን ጽዒና ምንባራ ተሓቢሩ።

እታ ባንዴራ እስራኤል ዝተለጠፋ ነፋሪት፣ ብቛንቋታት እብራይስጥ፣ ዓረብን እንግሊዝን “ሰላም” ዝብል ጽሑፍ ይንበባ።

እታ ነፋሪት፣ ንክሊ ኣየር ስዑዲ ዓረብ ብምስንጣቕ፣ ናብ ኣቡዳቢ ቀጥታዊ በረራ ብምክያዳ፣ ኣብቲ ዞባ ካልእ ናይ ዝምድና ኣንፈት ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ 13 ነሓሰ ታሪኻዊ ዝምድና ካብ ዝምስርታ፣ ካብን ናብን እዘን ሃገራት ቀጥታዊ በረራ ክካየድ፣ ሃገረ እስራኤል ካብ እትምስረት፣ ኣብዚ 72 ዓመታት እዚ ናይ መጀመርያ’ዩ።

እዘን ሃገራት ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ምምሕዳር ትራምፕ ርክብ ካብ ዝምስርታ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ቅነ፣ ቅልጡፍ ምዕባለታት ዝምድና የርእያ ኣለዋ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0