ካቢነ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ገንዘብ ከይልእኩ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ

ካቢነ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ገንዘብ ከይልእኩ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 19 June, 2014

Isra Cabinet

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ነናብ ዓዶም ገንዘብ ከይልእኩ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቐ ባይቶ እስራኤል- ክነሰት ኣፍሊጡ።

እቲ ባይቶ ብዘይካ’ዞ ካብ እስራኤል ጠቕሊሎም ዝወጹ ስደተኛታት’ውን ሒዞም ክወጹ ዝፍቐደሎም ገንዘብ ክውስኖ ምዃኑ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ካብ እስራኤል ጠቕሊሎም ክወጹ እንተወሲኖም፣ ሒዞሞ ክወጹ ዝፍቐደሎም ገንዘብ ማዕረ’ቲ ወርሓዊ እቶቶምን ኣብ እስራኤል ዝጸንሕሉ ግዜን ክኸውን ከምዘለዎ’ውን ንውሳኔ ባይቶ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሀረጽ ሓቢሩ።

 

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ናብ ስድራቤታቶም ዝልእክዎ ገንዘብ ደው ከምዘብሎ ዝወሰነ ባይቶ እስራኤል፣ ብምኽንያት ሕማም ናይ ቀረባ ኣዝማድን ካልእ ጭቡጥ መርትዖን ዘለዎ እንተኮይኑ ድማ ብፍቓድ መንግስቲ ጥራይ ገንዘብ ክልእኩ ከምዝኽእሉ የረድእ።

ባይቶ እስራኤል- ክነሰት ነዚ ካብ ዘጽደቐሉ ዕለት ኣትሒዙ፣ ነዚ ውሳኔ’ዚ ዝጠሓሰ ዝኾነ ስደተኛ ብገበን ተሓታቲ ከምዝኸውን እቲ ናይ ሃረጽ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ሓድሽ ውሳኔ’ዚ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ብኣሉታ ክጸሉ’ዩ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዳርጋ ብምሉኦም ናብ ኤርትራ ዝልእክዎ ገንዘብ ብሕጋዊ መልክዕ ዘይኮነ ብሓዋላ’ዩ።

እንተኾነ ካብ እስራኤል ክወጹ ኣብ ዝተገደድሉ ግና፣ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ውሳኔ ሒዞሞ ዝጸንሑ ገንዘብ ምጽራይ ክግበረሉ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕርሻ ዘተኮረ ስልጠናታት እንተሂባቶም፣ ኣብ ናይ ሕርሻ ስራሕ ንምውፋሮም ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትቕበሎም ፍቓደኛ ምዃና ንመንግስቲ ኣስራኤል ምግላጻ ማዕከን ዜና ሃረጸ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ዛጊት ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ፣ ሩዋንዳን ኡጋንዳን መሊሳ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0