ካምፓላ ብሰንኪ ስግኣት ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ውዒላ

ካምፓላ ብሰንኪ ስግኣት ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ውዒላ

Radio Erena: 15 September, 2014

kampala secu

ከተማ ካምፓላ፣ ካብ ስግኣት ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ትማሊ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓለዋ ከምዝነበረት ተገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ካምፓላ ልዑል ጸጥታዊ ሓለዋን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ተፍትሽን ከካይዱ ዝወዓልሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ተኽእሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘሎ ድሕሪ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ’ዩ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቱ፣ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ካምፓላ ብፍላይ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዎ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዝረኸበ’ዩ ዘርግሑ።

 

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን እታ ሃገር ብዝወሰድዎ ህጹጽ ስጉምቲ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ካምፓላ ክካየድ ዝተወጠነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብቀዳም ከምዘፍሸሉ እኳ እንተሓበሩ፣ ቦታን ነቲ መጥቃዕቲ ዝወጠነ ጉጅለን ኣይሓበረኑን።

ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ፍረድ ኤናንጋ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብቲ ዝፈሸለ ውጥን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተፈንጀርቲ ሒዞም ዝነበሩ ቁጽሮም ዘይተሓበረ ጥርጡራት ሽበራ ከምዝተታሕዙ ኣረጋጊጹ። ዜግነት ናይቶም ጥርጡራት ግና ኣይሓበረነ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኤንተበ፣ ሆቴላትን ኣብያተ መስተን መግብን ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ክቕጽል ምዃኑ’ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

ኣልሸባብ ድሕሪ ቅትለት መራሒኡ ኣሕመድ ጎዳነ፣ ሕና ናይ ምፍዳይ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ምጥንቃቑ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ጉጅለ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጸጥታን ምቁጽጻር ሽበራን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል መሓመድ ቓኑኒ ከምዝቐንጸሎ’ውን ማዕከናት ዜና ሶማል ይገልጻ ኣለዋ።

ኣልሸባብ ኣብ 2010 ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ ኣብ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ቤት መስተን መግብን ኣብ ዘካየዶ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝዕዘኑ ዝነበረሩ ብውሕዱ 7 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 74 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0