ካሜሩን ተዓቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኮይና

Radio Erena: 07 February 2017

African cup

ካሜሩን፣ ንግብጺ 2 ብ1 ብምስዓር፣ ኣብ ታሪኻ ንሓሙሽታ እዋና ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኮይና።

ኣብቲ ብሰንበት 05 ለካቲት ተኻየደ ናይ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ካሜሮን ካብ ድሕሪት ብምብጋስ’ያ ንግብጺ 2 ብ1 ብምስዓር ክትዕወት ክኢላ።

ቅድሚ ዕረፍቲ 1 ብ 0 ትምራሕ ዝነበረት ካሜሮን፣ ድሕሪ ዕረፍቲ ንኮውሎውን ቪንሰንት ኣቡበከርን ብዘቑጸሩወን ክልተ ጎላት’ያ ክትዕወት ክኢላ።

ክቡራት ኣንበብቲ፣ ዝርዝር ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃን ካልእን ዘጠቓለለ መደብ ስፖርት ኣብ ናይ ሎሚ ሰሉስ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ክትከታተሉ ንዕድም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0