“ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ኣበርክቶ ጌሩ።” ም/ፕረዚደንት ኔቭሰን

“ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ኣበርክቶ ጌሩ።” ም/ፕረዚደንት ኔቭሰን

Radio Erena: 15 February 2016

Tod

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ቢሻ ዕደና ካብ ዝጅምር ኣብ ቁጠባ ኤርትራ 2 ቢልዮን ዶላር ኣበርክቶ ከምዝገበረ ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ናይ ካናዳ ኩባንያ ቶድ ሮመይን ምስ መደበር ቴሌቪዥን ሲቢሲ፣ መደብ ፊፍዝ ኢስቴት ኣብ ዝገበሮ ቃል መጠይቕ ገሊጹ።

እቲ ኩባንያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ውዕል 60 ሚእታዊት ካብ እቶ ዕደና ቢሻ ክወስድ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ 40 ሚእታውት ይወስድ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ኔቭሰን ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ካብ ዝጀመረሉ ካብ 2011 ጥራይ፣ መንግስቲ ኤርትራ 755 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ ዝሓበረ ቶድ ሮመይን፣ እዚ ድማ ኣብ ምጥፋእ ድኽነት እታ ሃገር ኣበርክቶ ይግበር ምህላዉ’ዩ ዝኣምን።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ቢሻ ዓመታዊ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይርከብ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኔቭሰን፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተመደብዎ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ብናጻ ኣዋፊሩ ብዝብል፣ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበሉ ክሲ ክምልስ እንከለዉ’ውን፣ ኣብ ፈለማ እቲ ናይ ዕደና ትሕተ ቅርጺ ክምስረት እንከሎ ብናይ መንግስቲ ኩባንያ ሰገን ዝተመደቡ ሰራሕተኛታት ከምዝመጽእዎ ኣይሓብአን።

እቲ ኩባንያ፣ ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበሉ ጉልበት ሰብ ክነጽጎ እኳ እንተፈተነ ኣብ መወዳእታ ግና ከምዝተቐበሉ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ኣረዲኡ።

ብህግደፍ ዝውነን ኩባንያ ህንጻ ሰገን፣ ዝበዝሑ ኣባላቱ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተመደቡ’ዮም።

ህግደፍ ከም ሰልፊ፣ ወይ ግንባር ወይ ከኣ ውድብ ኣብ ስልጣን ስለዘሎ ጥራይ፣ ንሃገራዊ ዕማም ዝወረዱ መንእሰያት ብዘይ ክፍሊትን ብግዴታን ኣብ ትካላቱን ኩባንያታቱን ከዋፍር ብሕጊ ዘኽትት ምዃኑ ክኢላታት ሕጊን ተጣበቕትን ዝሰማምዕሉ’ዩ።

ኩባንያ ኔቭሰን፣ ‘ምስ መላኺ ውዕል ምግባር’ ብዝብል ኣርእስቲ ንቢሻ ዝምልከት ኣብ ቴሌቪዥን ሲቢሲ ዝቐረበ ፍሉይ መደብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብናጻ ጉልበት ዝቖጸሮም ሰራሕተኛታት ከምዘይብሉን፣ ኩነታት ጥዕናን ውሕስነትን ሰራሕተኛታት ብግቡእ ይከታተል ከምዘሎን’ዩ ዘመልክት።

ድሕሪ’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ከኣ ኩባንያ ኔቭሰን ፍሉይ ጠበቓ ብምቑጻር ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ መጽዕትን ምክትታልን ይገብር ምህላዉ ኣረዲኡ።

ምክትል ፕረዚደንት ኔቭሰን ብተወሳኺ፣ በታ ኮሚሽን ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምኹዓት ገለርያታት ናይቲ ዕደና ተዋፊሮም ከምዝነበሩ ተጠቒሱ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ቢሻ ዝኾነ ገለርያ ከምዘየልን፣ ዕደና ቢሻ ኣብ ክፉት ጎልጎል ዝካየድ ዕደና ምዃኑን’ውን ኣረዲኡ።

እንተኾነ፣ ንኩባንያ ኔቭሰን ከሲሶም ዝርከቡ፣ ኣብ ቢሻ ብግዴታ ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምስታ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ፣ ኣብ ቢሻ ክሰርሑ ምርጭኦም ከምዘይነበረን፣ ከም ኩሉ ኤርትራውያን መንእሰያ ተመዲቦም ከምዝኣተዉን ብምጥቃስ፣ ኣብ ዕደና ቢሻ ኣብ ዝነበርሉ እዋን’ውን ካብቲ ካልእ ብዘይፍለ፣ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ብግዴታ ተዋፊሮም ምንባሮም የመልክቱ።

ነቲ ፍሉይ መደብ ዘዳለወ ማርክ ኬሊ ጋዜጠኛ፣ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ኣብ ዕደና ቢሻ ንዘሎ ኩነታት ንምዕዛብን፣ ብዛዕባ’ዚ ንኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ካናዳ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ብዝምልከት ከኣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብን ንዘቕረቦ ሕቶ በቲ መንግስቲ ከምዝተነጽገ’ውን ብምጥቃስ ኣብ ክንዲ ናብ ኤርትራ ከኣ ኣብ ዕደና ቢሻ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ናብ ዝርከብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ብምኽዳ ከዘራረቦም ከምዝተቐሰበ፣ ኣብቲ ናይ 45 ደቃይቕ ትሕቶኡ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ተዋፊረን ካብ ዘለዋ ብውሕዱ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ኣብ ቢሻ ከባቢኡን ዕደና ወርቂ፣ ዚንጎን ነሓስን ዘካየድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን እቲ ዝዓበየ ዓወት ዝተጎናጸፈ’ዩ።

እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ቢሻ ዝረኸቦ ወርቂ ብዓይነቱ ብሉጽ ብብዝሑን ግዙፍ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንዜጋታቱ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምጽማድ፣ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ብምህላዉ፣ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን’ውን ከም መሻርኽቲ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ካናዳ ክኽሰስ ክኢሉ ኣሎ።

===========================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0