ከተማ ካሌ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተላዕለ ግጭት 16 ሰባት ቆሲሎም

             ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ከተማ ካሌ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተላዕለ ግጭት 16 ሰባት ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ።
ኣብቲ ብቀዳም 01 ሓምለ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ዝተጀምረ ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፣ ሓደ ሰብ ብከቢድ ክቖስል እንከሎ፣ ካልኦት 15 ከኣ ፈኲስ መቑሰልቲ ወሪዱዎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ካብቲ ከባቢ ኣብ ዘቃለሖኦ ሓበሬታ ኣፍሊጠን።

             ፖሊስ ከተማ ካሌ ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ስደተኛታት ከባቢ 100 ምንባሮም ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቲ ዕግርግር ንምህዳእ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቕመ ገሊጹ። ማዕከን ሓበሬታ ‘ላ ቩዋ ዱ ኖኽ’ ብወገኑ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣብቲ ዕግርግር ከምዝተሳተፉ ይገልጽ።

             እዚ ናይ ቀዳም ግጭት ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኣብ ከባቢ’ቲ መግቢ ብናጻ ዝወሃቡሉ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ብተደጋጋሚ ይፍጸም ምህላዉ ፖሊስ’ታ ከተማ ሓቢሩ።

             ኣብቲ በእማንን ሓጻዊንን ዝተኻየደ ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ንምህዳእ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀም እንከሎ፣ 20 ስደተኛታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ፣ በዓል ስልጣን ፖሊስ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ ነበርቲ ከተማ ካሌ ብከምዚ ተርእዮታት ዳግማይ ከይርበሹ ሓይሊ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓለዉኡ ከሐይል ምዃኑ ገሊጹ።

              ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ማለት ብዓርቢ እውን፣ ለገስቲ ማሕበራት ሓገዝ ኣብ ዝገብራሉ ዝነበራ እዋን፣ ተመሳሳሊ ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተላዒሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብቲ ግጭት ሓያሎ ሰባት ብፎኪስ ከምዝቖሰሉን ሓይልታት ፖሊስ ብዘንብዕ ጋዝ ነቲ ሕንፍሽፍሽ ከምዝበተንዎን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0