ከሰላ፣ ዋሕዲ ነዳዲ ይብእስ

ከሰላ፣ ዋሕዲ ነዳዲ ይብእስ

Radio Erena: 20 April 2018

dabanga

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ዝተራእየ ዋሕዲ ነዳዲ እናበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ከሰላ ሕጽረት ነዳዲ ካብ ዘጋጥም ካልኣይ ወርሑ ኣቝጺሩ ከምዘሎ ዝሓበረት ሬድዮ ዳባንጋ፣ እቲ ኣውራ ጠንቂ፣ ናብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዘሎ ምዱብ ሰራዊት ምዃኑ ጠቒሳ።

ናብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት፣ ንመካይንን ካልእ መዓላታትን ነዳዲ ብዘይገደብ የህልኽ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ብዋሕዲ ነዳዲ ክጨናነቕ ከምዝርአ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሰራዊት ነቲ ብዘይገደብ ዝጓርቶ ዘሎ ነዳዲ ተመሊሱ ብጸሊም ዕዳጋ ንህዝቢ ከምዝሸጦ ይውቀስ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብደረጃ ሃገር ዋሕዲ ነዳዲ ከምዘየለ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ግና ርኡይ ዋሕዲ ነዳዲ ከምዘሎ ነበርቲ የማርሩ።

ክፍሊ መጓዓዝያ ዞባ ከሰላ ነዚ ንምቁጽጻር፣ ብዘይፍቓድ መንግስቲ፣ ነዳዲ ናብ ዓታሩን በራሚልን ምምላእ ኣብ ርእሲ ምኽልካል፣ ህዝቢ ምዕሩይ ቀረብ ነዳዲ ንምርካብ በብእብረ ዝዕደለሉ መዓልታት ሰሪዑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ከሰላ፣ ነዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ምትእትታዉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብኮንትሮባንዳ ክሰግር ዝጸንሐ ነዳዲ ንምቁጽጻሩ’ውን ከምዝሕግዝ ይጥቀስ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ዘዋስን ዶባት ድሕሪ ምዕጻዉ ናብቲ ዞባ ዘዋፈሮ ብዝሒ ሰራዊት፣ ንመነባብሮ ህዝቢ እቲ ከባቢ ተወሳኺ ጾር ኮይኑ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ይግለጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0