ከሰላ፣ ንሳልስቲ ዝጸንሐ ሰዓታት እቶ እቶ ክናዋሕ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 19 October 2020

ኣብ ከሰላ፣ ካብ 15 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት፣ ብውሕዱ 8 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓያሎ ድማ ቆሲሎም።

እቲ ግጭት ደገፍቲ ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ካብ ስልጣኑ ዝተሰጎጎ ኣማሓዳሪ ከሰላ፣ ሳልሕ ዓማር ዝኾኑ ተወላዶ ቤን ዓሚር ከምዘጎሃሃርዎ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ምስጓግ እቲ ኣማሓዳሪ ምስተሰምዐ፣ ኣብ ስዋኪንን ፖርት ሱዳንን ተመሳሳሊ ግጭት ብምውልዑ፣ ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከልዉ ልዕሊ 20 ቆሲሎም’ዮም።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ከሰላ፣ ስዋኪንን ፖርትሱዳን ዝተላዕለለ ግጭት ንምርግጋእ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምእዋጅ፣ ብፍላይ ኣብ ከሰላ ንሳልስቲ ዝጸንሐ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ ይርከብ።

እቲ ኣዋጅ ትማሊ ከምዘብቅዐ እኳ እንተተመልከት፣ ኣብ ዞባ ከሰላ፣ ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ ሃደንደዋን ቤን ዓሚርን ገና ምትፍናንን ወጥርን ስለዘሎ፣ ክናዋሕ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ጠንቂ’ቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝገንፈለ ሓድሽ ቀቢላዊ ናዕብን ግጭትን፣ ምሻም እቲ፣ ካብ ኤርትራ መበቆል ከምዘለዎ ዝተነግረ ቤንዓምረታይ ሳልሕ ዓማር’ዩ።

ንሱ ኣብ 22 ሓምለ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ክኸውን፣ በቲ ወትሃደራዊ ወገን ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ምርቁሑ፣ ቤሄረ ቤጃ፣ ብፍላይ ድማ ቀቢላ ሃደንዳዋ ተቓውሞን ናዕብን’ዮም ኣካይዶም።

እቲ ተቓውሞ፣ ክሳብ ወደብ ፖርት ሱዳንን ናብቲ ወደብ ዘእቱ መንገድታትን ክሳብ ምዕጻው ዝበጽሐ ናብ ኣድማ ድሕሪ ምዕራጉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ብ13 ጥቅምቲ ካብ ስልጣኑ ሰጕግዎ።

እንተኾነ፣ ደገፍቱ ተወላዶ ቤን ዓምር ድማ ኣንጻር ውሳኔ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካልእ ናዕቢ ኣለዓዒሎም ይርከቡ።

ኣብ ከቢድ ቀቢላዊ ምትፍናን ዝርከብ፣ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ዞባ ከሰላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተመደበ ኣማሓዳሪ የብሉን።

ሓያሎ ተወላዶ እቲ ዞባ፣ ንዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ መንግስቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ዞባ ኢዱ ምትእትታው ይቕጽል ከምዘሎ ክወቕሱ’ውን ይስምዑ ኣለዉ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Amehadari Zoba Kesela Teseguigu tibl, te’alyu entetbl mihasheka ztegaguska tmesl