ከሰላ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 95 ኤርትራውያን ናጻ ወጺኦም

ከሰላ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 95 ኤርትራውያን ናጻ ወጺኦም

Radio Erena: 03 January 2018

Girba sudan

ኣብ ከሰላ፣ ከባቢ ጊርባ፣ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 95 ኤርትራውያን ናጻ ከምዝወጹ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ፖሊስ ምብራቕ ሱዳን ድሕሪ ዘካየድዎ ስርሒት ናጻ ከምዝወጹ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ ብርጋደር ጀነራል ዓብደላ ኣልሳይግ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፖሊስ ኣብቲ ዘካየዶ ስርሒት ምስቶም ንስደተኛታት ጅሆ ሒዞም ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ ብምርግጋጽ፣ ኣብቲ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ናጻ ተለቒቖም ዘለዉ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኤርትራ፣ ጉዳዮም ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከይተራእየ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ተኽእሎታት ኣሎ።

ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዞባ ከሰላ ካብ 30 ታሕሳስ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን’ዩ ዝርከብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0