ኦነግ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕታት ኣካይዱ፣ እሱራት ኣፍቲሑ

Radio Erena: 19 April 2021

ሓይልታት ኦነግ ሸኔ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ሰሜን ሸዋ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከቢድ መጥቃዕታት ከምዘካየዱ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ሸዋ ሮቢት፣ ኣንጾክያን ካራቖራን ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት፣ ብቀዳም 17 ሚያዝያ ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኦነግ፣ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዘቓጸለ ዝወቐሰ እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ካልእ ከባቢታት ናይቲ ዞባ’ውን መጥቃዕታቱ ይቕጽል ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኦነግ፣ ኣብ ከተማ ኣጣዩ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ እሱራት ናጻ ከምዘውጽአ፣ ንሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክልል፣ ሲሳይ ዳምጤ ብምጥቃስ ምንጭታት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

ኦነግ ሸኔ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ፣ ‘ናይ ኦሮሞ መሬት’ዩ’ ኣብ ዝብሎ ከባቢታት ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕታት፣ ንተወላዶ ኣምሓራ ዒላማ ይገብር ከምዘሎ ብወገን ክልል ኣምሓራር ወቐሳታት ይቐርብ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ንናጽነት ኦሮሞ ዝቓለስ ዕጡቕ ሓይሊ፣ መንግስቲ ነቲ ዝወርዶ ዘሎ ወትሃደራዊ ስዕረታት መሸፈኒ፣ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ንዝፈጸሞ ቅትለትን ካልእ ገበናትን፣ ንኦነግ ሸኔ የጸለም ከምዘሎ ይጠቕስ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሓይልታት ኦነግ ንዝፍነወሉ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ግቡእ ምላሽ ክህብን፣ ድሕነት ሰላምዊ ህዝቢ ክሕሉ ብዘይምኽእሉን ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይወቕሱ።

ኣብ ውሱን ከባቢታት ምዕራብ ወለጋ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኦነግ ሸኔ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኩለን ዞባታት ኦሮምያን ናይ ኦሮሞ ምዃነን ዝጠቕሰን ዞባታት ክልል ኣምሓራን መጥቃዕታት ከካይድ ይርአ ኣሎ።

እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ንምድጋፍ ናብቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ከምዝተዋፈረ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ከሲሱ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ዕጡቓት ቅማንት፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ማእከላይ ጎንደር፣ ኣይከል ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ መጥቃዕታት ከምዘካየዱ፣ ክፍሊ ሓበሬታ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጎጃም’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ እቲ ክፍሊ፣ ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ብዝሒ ሰባት ብዝርዝር ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ገሊጹ።

ክፍሊ ሓበሬታ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፣ ነቶም መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕታት የካይዱ ከምዘለዉ ዝገለጾም ኦነግ ሸኔን ቅማንትን፣ ብህወሓትን ከምዝድገፉን ከምዝተላእኩን ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ስእሊ፤- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0