እስራኤል ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብግዴታ ብምውጽኣ ተወቒሳ

እስራኤል ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብግዴታ ብምውጽኣ ተወቒሳ

Radio Erena : 10 September, 2014

Israel Forced Eritreans

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣስታት 7 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ከምዝገበረ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

እቲ ትካል 83 ገጽ ኣብ ዘለዎ ጸብጻብ ኣብ ዘስፈሮ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ነቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ኣህጉራዊ ውዕላት ብምጥሓስ፣ ነታ ሃገር ገዲፎም ንኽወጹ ዘገድድ ዝተፈላለየ ሜልታታት ክምህዝ ምጽንሑ ወቂሱ።

 

መንግስቲ እስራኤል ዝኾነ ገበን ዘይፈጸሙ ዑቕባ ንዝሓተትዎ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ብፍላይ ሖሎት ኣብ ዝተባህለ ኣብ በረኻ ኣብ ዝተደኮነ ክፉት ቤት ምእሰርቲ ሞራላውን ኣካላውን ስቓይ የውርደሎም ምህላዉ’ውን ኣተሓሳሲቡ።

እስራኤል፣ ንስደተኛታት ብዘይፍርዲ ዕድሚኦም ምሉእ ኣብ ሖልት ክእሰሩ ምዃኖም እናፈራረሐት ክወጹ ኣገዲዳቶም ክነሳ፣ በንጻሩ ብድሌቶም ካብ እስራኤል ወጺኦም ምባላ ፍትሓዊ ዘይምዃኑ’ውን ኣብቲ እቲ ትካል ዘቕረቦ ጸብጻብ ተተቒሱ ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ቁጽሪ ናይቶም ካብታ ሃገር ብድለቶም ናይ ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራውያን ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ዛይዱ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን’ዩ ሁማን ራይት ዎች ነዚ ጸብጻብ ዘቕርብ ዘሎ።

ናብ ሱዳን ዝተመልሱ ስደተኛታት፣ ኣብ እስራኤል ብምጽንሖም ጥራይ ብዙሕ ግፍዕታት ይወርዶም ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኤርትራውያን’ውን ናብ ዘይሓስብዎ ሃገራት ክምለሱ ተገዲዶም ግዳያት ብዙሕ ጸገም ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ።

ዝበዝሑ ካብ እሳርኤል ዝወጹ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ሃገራት ኤውሮጳን ከምርሑ እንከለዉ፣ ገለ ክፋሎም’ውን ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ’ዩ ዝግለጽ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0